Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ቻይናን


ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ንኣሜሪካ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኮይኑ ቀፂሉ ይርከብ። እቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዩንቨርስቲ ስታንፎርድ ትካል ሆቨር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዝበልዎ ኣብ ትሕቲ መርሒነት ሺ ጂንፒንግ “ብኣዝያ ዝተፈለየ” ኣግባብ ትቀላቐል ምህላዋ ገሊፆም። ሪፐብሊክ ህዝብታት ቻይና ወይድማ ጵርጭ “ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣዝዩ ጨቓናይ ፣ ምስ ደገ ድማ ዝያዳ ተፃባኣይ ይኸውን ኣሎ። ብሙኻኑ ምስ ድልየታትናን እሴታትናን ፈታናይ ዝኾነ ኩነታት ይፈጠር ኣሎ” ኢሎም።

እዚ ብፍላይ ምስ ታይዋን ተተሓሒዙ ብግልፂ ዝረአ እዩ። መትከላት ስታቱስ ኮ ኣብ ክንዲ ምስዓብ ቤይጂንግ ብኣስገዳድ ሓድነት ንምምፃእ ዘኽእሉ መገድታት ምናልባት’ውን ሓይሊ ዝተሓውሶ ኣካይዳ ትጥቀም ምህላዋ ይሕብሩ።

“እዚ ንኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገራት ዓለም’ውን ኣብ ስግኣት ዘእተወ ጉዳይ እዩ።” ክብሉ ይገልፅዎ ብሊንከን። መዓልታዊ ንወሽመጥ ባሕሪ ታይዋን ኣቁሪፁ ዝሓልፍ ዋሕዚ መጠን ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ቁጠባ ዓለም ዓብዪ ፅዕንቶ ክፈጥር ዝኽእል እዩ። ብፍላይ ምህርትታት ሰሜኮንዳክተር ታይዋን በቲ ቅልውላው ዝተኣጉጋጎል ኮይኑ ኢንዱስትሪ ሰሚኮንዳክተር ዝያዳ ክህሰ ዝኽእል እዩ።“ብሙኻኑ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ታይዋንን ወሽመጥ ባሕራን ተተሓሒዙ ዝጥቀማ ሃራት ዓለም ሰላምን ምርግጋኣትን ኣብ ምስፋንን ኣፈላላያት ብሰላም ንኽፍትሑ ኣብምግባር ዓብዪ ብፅሒት ኣለወን።” ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ገሊፆም።

“ተስፋ ይገብር ቤይጂንግ ናብ ዝነበረቶ ተመሊሳ ኣብ ክንዲ ኣፈላላያት ብኣስገዳድ ምምዕርራያት ካብ ምግባር ወይውን ይብኣስ ኢልካ ብሓይሊ ንምሕፍታሕ ካብ ምሕሳብ ብሰላም ዝፍትሕሉ ኩነታት ከተመዓራሪ።” ክብሉ ብሊንከን ኣጠንቂቖም። “ብመሰረት ሕጊ ርክብ ታይዋን ንባዕሎም ንምኽልኻል ዘኽእሎም ዓቕሚ ኣብምጉልባት ዝኣተናዮ ቃል ደገፍና ክቕፅል እዩ።”ብሕጊ ታይዋን ዝተመርሐ ሰለስቲኣዊ ርክባትን ከምኡ’ውን ንሽዱሽተ ውሕስና ዥቡ መረጋገፂ ብምቕያድ ኣሜሪካ ነቲ ሓንቲ ቻይና ዝብል ፖሊሲ ተኽብር።

XS
SM
MD
LG