Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዝድለይ ዘሎ አባል ኣልሸባብ ዓሊ መሓመድ ራገ


ኣመሪካ ንቀንዲ ተዋሳኣይ ጉጅለ ግብረሽበራ ኣልሸባብ ዝኾነ ዓሊ መሓመድ ራገ ንዝርከበሉ ቦታ ዝሓበረ ክሳብ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክትህብ ምኳና ትገልፅ። እቲ ሽልማት ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ብዴፕሎማሲያዊ ምምሕዳር ጉዳያት ፀጥታ ዝመሓደር ሽልማት ንፍትሒ ወይ ድማ RFJ ብዝተባህለ መደብ ዝወሃብ እዩ።

ዓሊ ማሓመድ ራገ ዓሊ ዲር ተባሂሉውን ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 1966 ኣብ ሞቓድሾ ዝተወልደ ሶማሊያዊ እዩ። ወሳኒ ሰብ ኣልሸባብን ኣባል ቤትምኽሪ ሹራን ኮይኑ ካብ 2009 ጀሚሩ ወሃቢ ቓል እቲ ጉጅለ ግብረሽበራ እዩ። ኣብ ኬንያን ሶማልን ንዘጋጥም መጥቃዕቲ ኣብ ምትላም ዝተሳተፈ እዩ።

ኣልሸባብ ንብዙሓት ኣብ ኬንያ፣ ሶማልን ጎረባብቲ ሃገራትን ንዜጋታት ኣመሪካ ሓዊሱ ንሞት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ምኽንያት ዝኾኑ ንዘጋጠሙ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ተሓታታይ እዩ። እዚ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣንፃር ኣመሪካ፣ ድልየታት ኣመሪካ፣ መሓዙትን ናይ ወፃኢ መሻርኽትን ግብረሽበራዊ ተግባራት ንምፍፃም ውዲታት ምትላሙ ቀፂሉ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅድሚ ዓመትን ሹዱሽተ ወርሕን ራገ ፍሉይ ዓለምለኸ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ተሰይሙ። እዚ ማለት ብሕጊ ኣመሪካ ብሽሙ ዝፍለጥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣመሪካ ዝርከብ ንብረቱ ክእገድን ኣመሪካውያን ውልቀሰባትውን ብሓፈሻ ምስኡ ንግዳዊ ርክባት ካብ ምግባር ንኽቁጠቡ ዝኽልክል እዩ።

ብተወሳኺ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገታት ኮሚቴ እገዳ ሶማል ንሰላም ደሕንነትን ምርግጋኣትን ሶማል ናብ ሓደጋ ኣብ ዘእቱ ተግባራት ብምውፋሩ ወይውን ሓገዝ ብምግባሩ ብመሰረት ሕጊ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀፅ 43 ቁፅሪ 2093 ንራገ ናብ እገዳ ዝርዝራቱ ኣእትይዎ እዩ።

ንስኹም ወይውን ካልእ እትፈልጥዎ ብዛዕባ ዓሊ መሓመድ ራገ ዝርከበሉ ቦታ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ብመርበብ ሓበሬታ ሲግናል፣ ቴሌግራም ወይውን ዋትስ ኣፕ ቁፅሩ +1-202-702-7843 ወይውን +254 71 87 12 366 ኣብ ኬንያ +252 68 43 43 308 ኣብ ሶማሊያ ኣቢልኩም ሓበሬታኹም ከተቐብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ኩሉ ዝተረኽበ ሓበሬታ ብጥብቂ ዝተሓዝ እዩ። ተወሳኺ ብዛዕባ እዚ ናይ ሽልማት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሽልማት ንፍትሒ [http://about:blank/]www.rewardsforjustice.net ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኩሎም ዝተረኽቡ ጠቐምቲ ሓበሬታታት መርመራ ከምዝግበረሎምን መንነት ወሃብቲ ሓበሬታውን ሚስጥራውነቱ ዝተሓለዎ እዩ።

XS
SM
MD
LG