Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኮሎምቦስ ዴይ


ጥቅምቲ 12 1492 ክሪስተፈር ኮሎምበስ ዝመርሐን ሰለስተ መራኽብ ስፔይን ሎሚ በሃማስ እናተባህለ ኣብ ዝፅዋዕ ደሴት ዓረፋ ። እቲ ዕለት ዓለም ዝቀ፟የረ ዝዓበየ ንግዳዊ ምልውዋጥ መግቢ፣ እንሰሳት ፣ሰባትን ሕማምን ክጋፍሕሉ ዝጀመረ፤ ነቲ ሎሚ ንግዳዊ ርክብ ኮሎምቢያን እናተባህለ ዝፅዋዕ መሰረት ዝኾነ እዩ ። ነዚ መበገሲ ገይሩ እዩ ድማ ኣብ ኣሜሪካ በቢዓመቱ መዓልቲ ኮሎምበስ እናተባህለ ዝኽበር ።ከምኡእውን 1492 ኣብ መብዛሕትኦም ተመራመርቲ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም ዝዓበየ ቦታ ተዋሂቡዋ ዝርከብ ።

ኣብ 1492 ዝነብረ በዝሒ ህዝቢ 4 ዕፅፊ ዝዓበየ ኮይኑ ፤ ኣብ 1650 ስጋብ 1850 ኣብ ዝነበረ እዋን ግን ብዕፅፊ ወሲኹ ነይሩ ። ንምኽንያት ወሰኽ ህዝቢ ዝጥቀሱ ብዙሓት ምኽንያታት እንተሃለዉ እኳ ብኡኡ ልኽዕ መጠን ቀረብ መግቢ ምውሳኽን ምምሕያሹን ግድን ነበረ ። እቶም ዝተለምዱ መግቢታት ደቀባት ኣሜሪካ ከምዘለዉ ኾይኖም ከም ድንች ፣ ዕፉን (መሸላ ባሕሪ) ፣ ኮሚደረ ፣ ኦቾለኒ ፣ ማኒዮክ ፣ ኣናንስ ፣ በርበረን ፀሊም ዓተርን ዝበሉ ተወሰኽቲ መግብታት ምትእታው ግድን ኮነ ።

ብፍላይ ድንሽ ነቶም ድኻታት ህዝቢታት ማእኸላይን ሰሜን ኣውሮፓ ኣዝዩ ተደላይ መግቦም ነበረ ። ዕፉንን ማንዮክን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ነይሩ ናብ ኣፍሪካ ዝተኣታተወ ዳርጋ ንኹሎም ባህላዊ መግብታት እታ ኣህጉርእውን ተኪኡዎ ነበረ ። ኣብ ቻይናእውን ምትእትታው ሓደሽቲ መግብታት ዓለም ብፍላይ ዕፉን ፣ ድንሽን ኦቾሎኒን ዝያዳ ተቀ፟ባልነት ካብ ምርካቦም ንላዕሊ ካብ 1500 ስጋብ 1650 ኣብ ዝነበረ እዋን ንወሰኽ በዝሒ ህዝቢ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ።

ንግዳዊ ርክብ ኮለምቢያን ዓለምለኻዊ ሓዱሽ መግቢ ናብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ክላለ ዝገበረ ነበረ ። ቅድሚ 1492 ፍረ ኣራንሺ ኣብ ግሎሪዳ ኣይፍለጥን ነይሩ ፣ ሙዝ ኣብ ኢኳዶር ኣይነበረን፣ ፍረምረ ፓፕሪካ ኣብሃንጋሪ ኣይፍለጥን ነይሩ ። ድሕሪ እቲ ንግዳዊ ርክባት ምፍጣሩ ኮሚደረ ናብ ጣልያን ፣ ቡን ናብ ኮሎምብያን ኢንዶኒዥያ ፣ ኣናናስ ምስ ሃዋይ ፣ ቀፅሊ ጎማ ናብ ኣፍሪካ ፣ በርበርአዊ ቅመማ ቅመም ንታይላንድ ፣ቻይናን ህንድን ከምኡእውን ቸኮሌት ንስዊዘርላንድ ዘላለየ ነይሩ ።

ምዕራፍ እተን ሰለስተ መራኽብ ስፔይን ኣብ ደሴት በሃማስ ኣብ ታሪክ ተራእዩ ዘይፈልጥ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ ። ሓዳሽ ኣህጉር ካብ ምርካብ ወፃኢ ኣንፈት መፃኢ ህይወት ደቂ ሰባት ዝቀ፟የደ ፣ ኣብ ንፍቀ ክቢ ዓለም ርክባት ክፍጠሩ ፣ ንግዳዊ ፣ ሓሳባዊን ፍሕፍሓት ኣብ ሞንጎ ባህላዊ ልምድታት ክፍጠሩ ዘፍቀደ ብሙዃኑ እዩ ። 1492ህዝቢ ብደረጃ ዓለም ብሓደ ክዓስለሉ ዝጀመረ ዓመት እዩ ።

XS
SM
MD
LG