Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ - ንክብሪ ናጽነት ፕረስ


ነፃን ዘይፅግዕተኛን ፕረስ መንግስታት ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ይገብር ፣ ስልጣኖም ተጠቂ፟ሞም ኣብ ግዕዝይና ዝተዋፈሩ የቃልዕን ህዝቢ ሓበሬታ ክህልዎን ይገብር ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሞየኦም ንማእሰርትን ዝተፈላለዩ ጥቅ፟ዓታት ይሳጥሑ ።

ጋዜጠኛታት ንናፅነት ፕረስ ወኪሎም ዝሰርሒዎም ጠቀ፟፟ምቲ ስራሕቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ሽልማት ኖበል ሎምዘበን ንኽልተ ሪፖርተራት እዩ ተዋሂቡ ። ፊሊፒናዊት ማሪያ ረሳን ራሻዊ ዲሜትርይ ሙሬቶቭን ይበሃሉ ። “ ከም መብዛሕትኦም አብ ዓለምና ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ረሳን ሙሬቶቭን እውን ድኻምን ስግአታትን ተፃዊሮም ነቲ ሓቂ ከጋልፁ ፀኒሖም እዮም ። ብዘይ ኣግባብ ስልጣኖም ንዝተጠቅ፟ሙ ኣቃሊኦም ፣ ኣብግዕዝይና ዝተዋፈሩ ኣጋሊፆምን ግልፅነት ንኽሰፍን ፃዕሪ ገይሮም፣ ዘሻራዊ ነፃ ሚድያ ንኽህሉን ኣንፃር ክዕፍንዎ ዝፍትኑ ጠጠው ኢሎም ተጣቢቆ፟ም ።” ክብሉ ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብቲ እዋን ሽልማት አብዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም ።

ከም ኩሎም ጋዜጠኛታት ረሳን ሙራቶቭንእውን ሓቂ ንምፅብፃብ ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉዎም እዩ ። ግዳያት መወዳእታ ዘይብሎም ምፍርራሓት ፣ ምንግልታዓትን ዝተዛብዑ ሕጋዊ ስጉምትታት ኮይኖም ። ብፍላይ ሙሬቶቭ መሳርሕቱ ብሞት ክሳብ ምስኣን ዝኣምሰሉ ግፍዕታት በፂሑዎም ።

ኣሜሪካ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሚድያን ሞያዊ ግቡኦም ብምውፅኦም ኣብ ልዕሊኦም ንዝወርድ ምፍርራሓት ፣ምንግልታዓትን ጥቅ፟ዓትን ትኹንን ።ከምዚኦም ዝበሉ ምፍርራሓት ካብ ዶባቶም ሰጊሮም ኣብ ዝሓልፉ መንግስታት ፣ ንጋዜጠኝታት ንምክትታል ዲጅታላዊ መቆ፟ፃፀሪ ብዘይ ኣግባብ ብምጥቃም ምንቅስቃ፟ሳቶምን ርክባቶምን ብምቁፅፃር ጋዜጠኛታት ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ግዕዝይና ኾነ ዘውርድዎ ጭቆና ዝስርሕዎም ሪፖርታታት ሓበሬታ ንኸይረኽቡ ይዓግቱ ። ይኹን እምበር አባላት ፕረስ ሞየኦም ብምስረሖም ክፈራርሑ፣ ክንገላትዑ ኮነ ኣካላዊ ሓደጋ ክበፅሖም ወይእውን ክእሰሩ ኣይግባእን ።

ካብ ካልእ እዋን ብዝበለፀ ነቲ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ኣካላዊ ጥቅ፟ዓት ፣ንመርበባት ኢንተርኔት ተጠቂ፟ምካ ዝፍፀሙ ምንግልታዓት ፣ ንሕጊ ሽፋን ዝገበረ ምፍርራሓትን ፅዑቃት ምቁፅፃራትን ብምጥቃም ድምፂ ሚድያ ንምዕፋን ዝግበረ ፃዕሪ ክንቃወሞ ይግባእ ።”ዝበሉ ድማ ውሓቢቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ እዮም ።

ኣሜሪካ ናፅነት ሓሳባት ብዘይ ቀያዲ ዝኽበረሉ ንኣባላት ሚድያ ሓዊሱ ነቲ ፕረስ ስሒቦም ንድሕሪት ኣብ ልዕሊ ዝመልሱ ኣንፃሮም ጠጠው ምባላ ክትቅፅል እያ ። “ከም ረሳን ሙራቶቭን ዝበሉ ኣብ መላእዓለም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ምእንተ ስነሓሳብ ሓቂ ክብሉ ኣብ ግምባር ኮይኖም እንዳተቃ፟ለሱ ይርከቡ ነዚ ተግባሮም ድማ ኣነ ምስ ኣብ ኩሉ ኸብቢ ዝርከብ ህዝቢ ብሙዃን ከመስግኖም ይፈቱ ።” ኢሎም ፕረዝዳንት ባይደን ።

XS
SM
MD
LG