Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ሕዳር 9,2020


ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ሓይልታት ፀጥታ በርማ መጥቃዕትን ምጥፋእ ዓሌትን ኣብ ገዛእ ህዝቦም ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ሮሂንጋውያን ፈፂሞም እዮም ። ፈለማ እቲ ጥቅ፟ዓት ካብ ጥቅምቲ 2016 ስጋብ 2017 ዝተፈፀመ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዝተፈፀመ እዩ ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሮኒንጋውያን ሃገሮም በርማ ገዲፎም ተሰዲዶም እዮም ። ኣብዚ እዋን 860,000 ዝኾኑ ሮሂንጋውያን ስደተኛታት ኣብ ኮክስ ብዛር መዓስከር ስደተኛታት ተዓቊቦም ይርከቡ ። ከባቢ 150,000 ዝኾኑ ድማ ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ከም ህንዲ ፣ታይላንድ ፣ ኢንዶኒዥያን ማሊዥያን ተዓቊቦም ይርከቡ። ኣብ በርማ ዝነብሩ 600,000 ዝኾኑ ሮሂንጋውያን ድማ ዝተፈላለዩ መድልዎታትን መጥቃዕትታትን ይፍፀሙዎም ኣለዉ ። ካብዚኦም እቶም 130,000 ዝኾኑ ኣብውሽጢ እታሃገር ኣብ ዝርከቡ ቤት ማእሰርትታት ተኣሲሮም ይርከቡ ።

22 ጥቅምቲ ዩናይትድ ስቴትስ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተሓገዘ “ቀፃልነት ዘለዎ ዓለም ለኸ ሓገዝ ኣብ መዓስከራት ንዝርከቡ ሮሂንጋውያን ስደተኛታት “ ብዝብል ኮንፈረንስ ኣዳሊያ ነይራ ። ኣብቲ እዋን መርኣያ ንሙዃን 200 ሚልዮን ዶላርም ንባንግላዲሻውያንን ሓገዝ ገይራ እያ።ብሓፈሻ ነቶም ኣብ ፀገም ዝወደቁ፟ ሮሂንጋውያን ንምሕጋዝ ብወገን ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሞሩ ዛጊድ 1.2 ቢልዮን ወፃኢ ተገይሩ እዩ ። ቀንዲ ዕላም እቲ ኮንፈረንስ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዓለም ለኸ ፃዕሪ ከምዘድሊ ንምብራህ ዝዓለመ ሙዃኑ ዝገለፁ ነቲ ኮንፈረንስ ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን እንግሊዝ ፣ሕብረት ኣውሮጳን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሑቡራት ሃገራት ብሙዃን ዝመርሕዎ ዝነበሩ ምኽትል ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ስቴፈን ቢገን እዮም ። ንሶም ወሲኾም ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ዘድልዮም ህዝብታት ሓገዝ እናሃብክ ምንባር ከቢድ እዩ ዘላቂ፟ ፍታሕ ከነምፅእ ይግባእ ።

ግደ መንግስቲ በርማ እውን ተመሊሶም ኣብ ዓዶም ክነብሩ ንዝደልዩ ዝተመዓራረያን ደሕንነቶም ዝሕሉ ከምኡ'ውን ኣብ ምክብባር ዝተሞርከሰ ቀፃልነት ዘለዎ ሓገዝ ክገብር ምጉስጋስ የድሊ ኢሎም። “ ከም ናይ መፈለምታ ወፍሪ ድማ ቀፃልነት ዘለዎ ዘይተሓለለ ሰባኣዊ ሓገዝነቶ ዝተሃሰዩ ወገናት ኣብምሃብ ምሳኻትኩም ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎ እቶም ምኽትል ጉዳያት እፃኢ። ስቴፈን ቢገን ወሲኾም መስ 'ዚ ጎኒንጎኒ መሰረት እዚ ፀገም ዝኸውን ኣብ ክፍለ ግዛኣት ራህኪንን ጥቅ፟ዓት ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊን ዝውውር ኣፅዋርን ሓሽሽን እታ ሃገር ብሙቁፅፃር ምርግጋኣት ክንፈጥር ይግባእ ኢሎም ። ከም ኣመራርሓ ነቲ ዓለም ለኸ ምላሽ ኣብ ዘድልዮ ጉዳይ ሮሃንጋውያን ስደተኝታታታአብ ባንግላድሽን ካልኦት ከባቢታትን ከምኡ፤ካብ መረበቶም ተመዛቢሎማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር እናተሳቀ፟ዩ ንዝርክርቡ ሮሂንጋውያን ፈፀምቲ ኣካላት እዚ መስካሕካሓይ ግፍዒ ተሓተቲ ብምግባር ምስ ሮሂንጋውያን ኮይና መፃኢኦም ዝመርሑልሉ ፖሊሲታት ክንሕንፅፅ ኢና ።

XS
SM
MD
LG