Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምክንያት መዓልቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ


ወርሒ ለካቲት ምስኣተወ ዘላ ሳልሰይቲ ሰኑይ ኣሜሪካውያን መዓልቲ ፕሬዝዳንት ኢሎም ብምስማይ ዝሓለፉ መራሕቶም ይዝክሩላ ።እዚ ሎሚ ምእንተ ክብሪ ኩሎም ፕሬዝዳንታት ነበር ዝኽበር በዓል፤ ቀዳማይ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ነበር ጆርጅ ዋሽንግተን ንምዝካር ተባሂሉ ዝተጀመረ እዩ።

መራሒ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣሜሪካን ፈላማይ ፕሬዝዳንትን ብምንባሮም ጆርጅ ዋሽንግተን ብኹሉ ኣዝዮም ዝፍተዉን ዝኽበሩን ፕሬዝዳንት ነይሮም ። ስጋብ ሐዚ ድማ ኣቦ ዩናይትድ ስቴትስ ተባሂሎም ይዝከሩ ።

ኣብቲ እዋን ንሶም ንኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ዝገዝኣ ዝነበረ ግዙፍ ሓይሊ መኪቶም ኣሜሪካውያን ክዕወቱ ዘኽአሉዎም ውሕሉል መራሒ ኲናት ብምንባሮም ብፍላይ ግን ብድሕሪኦም ንዝስዕቡ ፕሬዝዳንታት ዝኽተልዎ መፃኢ እዛ ሃገር ከሰጉም ዝኽእል ምመምርሒ ኣምቢሮም ብምሕላፎም እዩ ።

ፕሬዝዳንት ጆርጅ ዋሽንግተን ስልጣን ፕሬዝዳንት ሃገር ዝመርሕ ልዕሊኹሉ ሓይሊ ዘለዎ ብርኪ ስልጣን ከምዝኾነ እንተ ኣመኑ እኳ ከም ስልጣን ንጉሳውያን ንዝንተኣለሙ ኣብኡ ዝነብር ክኸውን ዘኽእሎ ሓላፍነት ክህልዎ ግን ኣይደልዩን ነይሮም ።ምናልባት ኣብስልጣኖም እናሃለዉ እንተሞይቶም ህዝቢ ስልጣኖም ንዝንተኣለም ክፀንዐሎም ክውስን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ስለዝነበሮም ድሕሪ ክልተ ግዘ እዋን ፕሬዝዳንትነ፤ ስልጣኖም ሓዲጎም ወሪዶም እዮም ።እንትርፎ ፕሬዝዳንት ፍራንክሊን ዴላኖ ሮዝቬልት ኣርባዕተ እዋን ግዘ መረፃ ኣብዝልጣን ምፅነሖም ካልኦት ኣሰር ጆርጅ ዋሽንግተን ስዒቦም እዮም ።ኣብ 1951 ድማ ኮግረስ ዩናይትድ ስቴትስ እዋን ስልጣን ሓደ ፕሬዝዳንት ካብ 2 ግዘ ዝበዝሕ ከይኸውን ዝውስን መማሓየሺ ዓንቀፅ 22 ኣፅዲቁ፟፟ እዩ ።

ፕሬዝዳንት ዋሽንግተን መስርሕ ፕሬዝዳንት መፃኢ ኣካይድኡ ኣብ ምምዕራይ ዓብዪ ፅዕንቶ ፈጢሮም እዮም ።ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ፣ወተሃደራዊ ልምዲ፣ፖሊሲ ቁጠባን ሓዊሱ በቢ ብርኩ ሩቁ፟ሕ መስርሕ ክህልዎ ገይሮም እዮም። ካብ መጀመርታ 1800 ጆርጅ ዋሽንገን ብሞት ካብ ዝተፈለይሉ ዓመት ጀሚሩ ስጋብ 1885 ኣብታ ብመሪሕነትቃልሶም ሓራ ዘውፅኡዋ ሃገር ለካቲት 22 ማለት 'ውን መዓልቲ ልደቶም ከም ሃገራዊ በዓል ክኽበር ፀኒሑ እዩ ። ኣብመወዳእታ ኣሜሪካ ካልእ እተኽብሮ ጀግና ረኸበታ ኣብራሃም ሊንክን መዓልቲ ልደቱ ድማ ምስ ናይ ዋሽንግተን ዝቀረበ 12 ለካቲት ነበረ። ብድሕሪዚ ኣብ ወርሒ ለካቲት እትርከብ ሳልሰይቲ ሶኑይ መዓልቲ ፕሬዝዳንት ክትከውን ተሓርያ እያ።

ምኽባር መዓልቲ ፕሬዝዳንት ኩሎም ነዚ ኣዝዩ ከቢድን መሸገራይን ስራሕ ብፅንዓትን ትዕግስትን ተሰኪሞም ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝመርሕሉ እዋን ፅቡቅ፟ ይኹን ሕማቅ ንዝፈፀምዎ ተግባር ብዘየገድስ ንፃዕሮምን ፀዋርነቶምን ክብሪ ዝህብ እዩ ። ሓደ እዋን ጆርጅ ዋሽንግተን ንመሓዝኦም ኣብ ዝፅሓፍዎ ደብዳበ

"ኩሎም ብደጊኡ ዝርእይዎ ነቲ ልዕል ኢሉ ዝተቀ፟መጠ ህንፃ ፣ ብዘንፀባርቅ፟ መወቀቢ ደሚቁ ክረአ ዝፈጥረሎም ሓጎስ ክህሉ ይኽእል ይኸውን ንዓይ ግን ካብ መንፀባራቃ፟ይነቱ ዝሰገረ ዝፈጥሮ ነገር የለን ።" ኢሎም እዮም ።

XS
SM
MD
LG