Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ታሕሳስ 22,2020


ዮናይትድ ስቴትስ ኣንፃር ኢራን እተካይዶ ልዑል ፀቅ፟ጢ ናይምፍጣር ወፍሪ ቀፂላትሉ ትርከብ ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፓምፔኦ ንኽልተ IRCG አፊሴራት ዝኾኑ ብርጋዴር ጄንራል ሃይደር ኣበዛድን ኮሎኔል ሬዛ ፓፒን ዝርከብዎም ሕዳር 2019 ኣብ ኩዝስታን ብሓይልታት ፀጥታ ንዝተላዕለ ዓመፅ ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምፍፃሞም ንዝተሳተፉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን ዕላማ ዝገበረ እገዳታት ቪዛ ምግባራ ተዛሪቦም ። ብፍላይ ንሚኒስትሪ ደሕንነት ኢራን ማሕሙድ ኣላቪ ኣንፃር ህዝቢ ኢራን ሉዑል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍፃሙ እገዳ ከምዝተገብረሉ እቲ ርዕሰ ዓንቀፅ ይሕብር ።

ብተወሳኺ ዩናይትድ ስቴትስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢራን ዓሊ ካሜኔይ ንመማዕረጊ ፅሕፈት ቤቶም ፣ ፖለቲካዊ መሓዙቶም ንምሽላምን ተቃ፟ወምቲ መንግስቶም ንምጥቃዕም ኣብ ዝጥቀሙሎም ቀንዲቀንዲ ፍልፍላት እቶት ቁጠባ ኢራን ዝኾኑ ነቶም 160 ዝፅግዑ ዓበይቲ ኮንፈረንስታት እገዳ ኣምቢራትሎም እያ ። ፓምፔኦ ኣብ ትዊተሮም ከምዝበሎ "እዞም ውሳነታት ናይቲ መንግስት ዘይምዕሩይ ኣሰራርሓታት ንምትግባር ዘኽእሎም ዝነበረ ገንዘብ ዘስእኖም እዩ ። ክብሉ ፅሒፎም እዮም ።

ከምኡ'ውን ኣብ ወርትሒ ሕዳር ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቻይናን ሩስያን ዝርከቡ 4 ትካላት ንምምዕባል መደብ ኒኲለር ኢራን ዝሕግዙ ተኳሳሕቲ ዝኾኑ ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ናውትን ዘቅ፟ርቡሎም ዝበለቶም 'ውን ክልከላ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ ። ፓምፔኦ ከምዝበልዎ "እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ትካላት ወፃኢዝግበር ክልከላ ኢራን መሳይላታ ንምምዕባል እትጥቀመሎም ኩሎም መንገድታት ንምዕፃዋ ኣብ እንገብሮ ፃዕሪ ዝካተት'ዩ" ኢሎም እዮም ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፓምፔኦ ኣብ ካልእ መግለፂ እቲ ዝለዓለ ኣንፃር መንግስቲ ኢራን እንገብሮ ወፍሪ ካብቲ ዝተለምደ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ዝቅ፟ፅል ይኸውን ።" ኢሎም እዮም "ንሱ'ውን ሸርፊ ወፃኢ ኢራን ምንጋዕ፣ ዕዳታት ህዝቢ ምውሳኽን ናህሪ ወሰኽ ናብራን እዮም ።"

ብተወሳኺ ከም ኣቆፃፅራጉንበት 2018 መንግስቲ ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ካብ ነዳዲ ዝርከብ ኣታዊኡ ብቀ፟ጥታ ንኸይረክብ ከልኪልና ኢና ። ብቀፃሊ ድማ እቲ ገዛኢመንግስቲ በቢዓመቱ ናብ ኸባቢ 50 ቢልዮን ዶላር ንኽወርድ እዩ ፃዕርና ኢሎም እዮም ። ብምኽናይት ማእቀባት ኣብ 2019 ካብ ወተሓደራዊ በጀቶም 25% ዝኸውን ቀኒሶም እዮም ። እቲ ገዛኢ ሓይሊ ንኣፈፀምቲ ግብረ እከይ ተግባራቶም ተለኣኣኽቲ ዝኾኑ መሓዙቶም እውን ብጥረ ገንዘብ ክወሃቦም ክልምኑን ቆጢቦም ክጥቀሙን ኣገዲዶሞም እዮም ። ዋላ እኳ ንገሊኦም ተዋጋእቲ ዘበሳጨወ እንተኾነ ።

እዞም ማዕቀባት ይብሉ ፓምፔኦ አብ ማእከላይ ምብራቅ፟ ዓመፅ ኢራን ብዝፈጠሮ ውፅኢት ንዝሳቀ፟ያ ሃገራት ብምትእኽኻብ ሰላምን ምርግጋኣትን ዝዓሰሎ ሓዱሽ ከባቢ ማእከላይ ምብራቅ፟ ምፍጣር ኩሉ ዝደልዮ እዩ ።እቶም ክልከላታት ድማ ናይቲ ከባቢ ደሕንነት ንምውሓስን ህይወት ኣሜሪካውያን ንምሕላውን ወሰንቲ ዝኾኑ መሳርሕታት ሃገራዊ ደሕንነት እዮም ።

XS
SM
MD
LG