Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ፡ እገዳ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰበ ስልጣን በርማ


ኣንፃር ነቲ ኣብ በርማ ለካቲት 1 ዕልዋ መንግስቲ ገይሩ ኣብስልጣን ተወጢሑ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ለካቲት 20/2021 ሰላማዊ ሰልፊ ሓይሊታት ፀጥታ በርማ ጠያይቲ ብምትኳስ ምላሽ ክህቡ ፈቲኖም ። በዚ ድማ ክልተ ተቀቲሎም ብደርዘን ዝቁፀሩ ድማ ቆሲሎም ። እቶም ወተሃደራት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ካልኦት ክልተ ተቀቲሎም ።

እዚ ወተሃደራዊ ጁንታ ንሰላማውያን ሰልፈኛታት ጭካነ ብዝተመልኦ ዓፈና ምላሽ ምሃቡ ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ወተሃደራዊ ምምሕዳር በርማ ኣብ ልዕሊ ክልተ ተወሰኽቲ ውልቀሰባት ክልከላ ኣምቢራ ። ኣብ ምምሕዳር መንግስቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝኾኑ ማንግ ማውን ኪውን ምሚንተን ቱን ይብሃሉ ። እቲ ክልከላ ኣብ ውሽጢ ዩናይትድ ስቴትስ ዝርከብ ብሽም እቶም ክልተ ውልቀ ሰባት ዝፍለጥ ንብረት ኮነ ሃብቲ ዝኽልክል ኮይኑ መስዞም ሰባት ንግዳዊ ስራሕቲ ዝሰርሕ ዝኾነ ኣሜሪካዊ ንኸይሰርሕ ዝኽልክል እዩ ።

እዞም ምዕቀባት 11ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኣዛዚ ጦር ምክልኻልን መራሒ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝኾኑ ንጀነራል ሚን አንግ ህላንግን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መምረቲ ኩባኒያታት በርማን 10 እዋናውያን ሰበስልጣን ናይቲ ቅድም ክብል ኣብ ስልጣን ዝነበረ ወተሃደራዊ መዚ ኣባላትን እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒዮ ብሊንከን እቶም ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ዘይዕጡቃት ሰባአዊ መሰላትን ሰላማውያን ሰልፈኛታትን ብቀፃልነት ዘካየድዎ ዘለዉ ማእሰርትን'ውን ነቂፎም ። እቶም ሚኒስተር ኣንፃር ወተሃደራዊ መግዛእቲ ብድፍረትን ቆራፅነትን ተቃውሞኡ ከስምዕ ናብ ፅርግያ ንዝወፀ ህዝቢ በርማ ፣ዴሞክራሲያዊ ምምሕዳር ፣ሰላምን ልዕልና ሕጊ ዝረጋገፀሉን ሃገር ናይምምላስ ፃዕሮም ልዑል ደገፍ ከምዘለዎም ገሊፆም ።

እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ንስልጣን ካብ ዝብሕቶ ንነዘ ዳርጋ መዓልታዊ ክበሃል ብዝኽእል ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፀሩ ሰልፈኛታት ህዝቢ በቢ ዘልዉዎም ከተማታት በርማ ተቃውሞኦም የስምዑ ኣለዉ ።ወታሃደራዊ ሓይሊ በርማ ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ግዚኣዊ ህፁፅ ኣዋጅ ብምእዋጅ ንኣማኻሪ መንግስቲ ኣዉን ሳንሱ ንፕሬዝዳንት ዊንሚንትንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እሱራት ውሽጢገዛ ኮይኖም ።

ዩናይትድ ስቴትስ ምስ መቅርብ መሓዙትን መሻርኽታን ብምሕትብባር ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊን ዝፍፅሞም ዘሎ ዓመፃት ተቀባልነት ዘይብሎም እዮም ክትብል ኣትሪራ ትነቅፎም ተቀባልነት የብሎምን ድማ ኢላ ። እቲ ሓይሊ ብቅልጡፍ ነቶም ዝአስሮም ክፈትሕ ፣ ብቀፃልነት ዝወስዶም ዘሎ ሓይላዊ መጥቃዕትታት ክቁጠብን ነቲ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርፀ መንግስቲ ናብ ስልጣኑ ክመልሶ ኣተሓሳሲባ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኞ ብሊንከን "ብሓይሊታት ወተሃደርን ፖሊስን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰልፈኛታት ዝበፅሕ ዝሎ ዝኾነ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኩሎም እሱራት ክፍትሑ ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ኣክቲቪስታታን ዝወርድ ምፍርራሕትን መጥቃዕትን ጠጠው ክብልን እቲ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርፀ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ይመለስ ።"

ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ዕልዋ መንግስቲን ብኡኣቢሎም ዝወርዱ ዘለዉ በደላት ተሓተቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ምውፃእ ምስ ዓለም ለኸ መሻርኽታ ብሓባር ምስራሓ ክትቅፅል እያ ። "ኣብ ልዕሊ እቶም መጥቃዕቲ ዘብፅሑን ድልየታት ህዝቢ ብምዕፋን ፅዕንቶ ኣብ ልዕሊ ዘውርዱ ተወሳኺ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ኣይነማትእን" ዝበሉ ብሊንከን ንህዝቢ በርማ እንገብሮ ሓገዝ ድማ ኣይነቋርፅን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG