Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ


“ዋሓዝቲ ሩባታት ካብ ቅርፃዊ ትሕዝቶ ሓደ ኸባቢ ንላዕሊ ጠቐምቲን ንህይወት ደቂ ሰባት ወሰንትን 'ዮም “ ክብሉ ኣብ ምብራቃዊ ኤስያን ጉዳያት ፓስፊክን ተሓባብሪ ፀሓፊ ዴቪድ ስቲልዌል ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ምሕያል ምምሕዳር ተሳገርቲ ወሃብቲ ሩባታት ኢንዶ ፓስፊክ ኣብ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ተዛሪቦም ።

“ እዚ ሓቂ ድማ ህዝቢ ሜኮንግ ይፈልጥዎ “ ይብሉ ንሶም ወሲኾም “ ምኽንያቱ ንሳቶም እዮም ምስቲ ንዕዑ ስዒቦም ካብ ላዕለዎት ተፋሰስ ዝመጽእ ሓደጋታት ውሕጅ ዝነብሩ እቲ ንህይወቶም ኣገዳሲ ዝኾነ ወሓዚ ማይ ንብዓሰርተ ሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ሜኮንግ 'ውን ሓደጋ ኮይኑ ይርከብ ።”

ማእከላይ ምብራቅ ምዕራብ (EWC) ምስ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካን ሜኮንግ ብምትሕብባር ብዝሓለፍ ሓሙስ ጥቅምቲ ኣብ 15/2020 ቪድዮ ኮንፈረንስ ፣ ኣርቀቅቲ ሕጊ ፣ ምሁራን ፣ተወከልቲ ሲቪክ ማሕበራትን ካልኦት ኣብ ከባቢ ኢንዶ ፓስፊክ ዝርከቡ መሻርኽቲ ተወሃሃዲ ምምሕዳር ተሳገርቲ ተፋሰሳት ዝጠመተ ብሉፃት ተሞክሮታት ዝተለዋወጡሉን ኮንፈረንስ ነይሩ ።

ኣብቲ እዋን ተሓባባሪ ኣብ ምብራቅ ኤስያን ጉዳያት ፓስፊክ ተሓባባሪ ፀሓፊ ዴቪድ ስቴልዌል ነቲ ሓዱሽ ክልቲኣዊ ዝምድና ኣሜሪካ አብ ሜኮንግ ዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት ገልፍ እትገብሮ ምትእትታው ዝያዳ ኣስሚሮሙሉ እዮም ። ንሶም ወሲኾም ኣሜሪካ ኣብቲ ቦታ ንዘለዋ ተገዳስነት ከም መራኣያ ዝኸውን ካብ 2009 ጀሚራ 3.9 ቢልዮን ዶላር ንኮምሽን ወሓዝቲ ማያት ሜኮንግ ከምኡ'ውን ግልፂ ምሕደራ ኣብቶም ተሳገርቲ ተፋሰሳት ንኽሰፍን እትገብሮ ፃዕሪ ንኢዶም 'ዮም ።

ስቴልዌል ቻይና ነቶም ወሓዝቲ ማያት ሜኮንግ ምስምሳት ብምፍጣር ብዓብላልነት ንምጥቃም ነቲ ዓመት ሙሉእ ዝውሕዝ ማይ ፀገም ንምፍጣር እተካይዶም ምንቅስቃሳት ኣሜሪካ ከምዘተሓሳሰባ ተዛሪቦም እዮም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ታይላንድ ማይክል ዲሳምብሬ ከምዝበልዎ “ኣብ ተፋሰስ ማይ ሜኮን ዝስርሑ ስራሕቲ ክዕወቱ ዝኽእሉ ኣብ ፅኑዕ መምርሕን ምሕዝነትን ጥራሕ ኣይኮነን ግልፂ ዝኾነ ዝርገሐ ሓበሬታ'ውን ክህልው ከሎዩ ። ነዚ 'ውን እዩ ኣሜሪካ ብናይ ገዛእ ርእሳ ተበግሶ ኣብ ምእካብ ፀብፃባት ወሓዝቲ ማይ ሜኮንግ ልዕሊ 60 መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መሓዙት ብምትሕብባር ምልውዋጣት ፀብፃባት ሳይንስ መሰረት ዝገበረ ውሳነ ክሕብ ዝኽእል ኣሰራርሓ ዝፈጠረት ። ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት The Mekong Water.org ዝተባህለ መደብ ብማይክ ፓምፔኦ ከምዝተላለየ ዝፍለጥ እዩ ።

እቲ መደብ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ንኹለመዳያት ምንቅስቃስ እቲ ማይ ዝሕብሩ መሳርሕታት ዘማለአ'ዩ ። ካብ ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ስጋብ ዜግነታዊ ሳይንስ ማእኸል ዝገበረ ሓበሬታ ዝሕብ እዩ ። ንሶም ወሲኾም ኣሜሪካ ዝገበረቶ ተወሳኺ ምምሕያሻት ከምዘለዉን ኣብዝመፁ ሰሙናት ዕላዊ ከምዝግበሩን ጠቂሶም እዮም።

ኣሜሪካ ምስ ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መሻርኽትን መሓዙትን ኣብዞም ሓባራዊ መረዳእታታት ምስ ሃገራት ሜኮንግ ብምዃን ምዕቡል ፣ቀፃልነትን ጥዕና ዘለዎን መፃኢ ንምግሃድ ትሰርሕ ።

XS
SM
MD
LG