Accessibility links

Breaking News

መዓልቲ ናጽነት ኣሜሪካ ዓመተ 2021


ዩናይትድ ስቴትስ 4 ሓምለ 2021 መበል 245 መዓልቲ ልደታ ኣኽቢራ ። ተወከልቲ 13 አብ ትሕቲ ቀይዳዊ ኣገዛዝኣ ብሪጣንያ ዝነበራ ግዝኣታት ኣብ 1776 ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝገንፀለን ናፅነተን ዘረጋገፀ ሰነድ ዝፈረሙላ መዓልቲ እያ ።

ካብ ንጉሳዊ ስርዓት እንግሊዝ ንምፍልላይ ዝተበፅሐ ውሳነ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ነይሩ ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ክልተ ነንሕድሕዶምዘይራኸቡ ዝመስሉ ግን ድማ ዝተኣሳሰሩ ምኽንያታት ዝመንጨወ ነይሩ እቲ መበገሲ ።እቲ ሓደ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ቀይዲ ዝነበራ ሃገራት ብዝበለፀ ስጡም ክትትል ንምግባር ተባሂሉ ብመንግስቲ እንግሊዝ ዝተትሓዘ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ'ዩ ። እቲ ካልኣይ ኣብ ልዕሊ ስልጣን ንጉሳዊያን ዝተዋህለለ ዕደኦም ንምቅ፟ናስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ቀይዲ ንዝነበራ ሃገራት መጠን ክፍሊት ግብረን ክውስኽ ይገብሩ ነበሩ ።

መብዛሕትኦም ዕዳታት እንግሊዝ ኣብ 1754 ምስ ህንድን ፈረንሳን ኣብ ዝገበረቶም ውግኣት ዝተዋህለሉ እዮም ።

ካብ 1764 ጀሚሩ ፓርላም እንግሊዝ ካብ ኣብትሕቲ ቀይዲ መግዛእቲ ዝወዓላ ሃገራት ንመንግስቲ ንጉሳውያን ግብሪ ከእክብ ጀመረ ። ፈለማ ኣብ ሹከር ብዘውዓሎ ክፍሊት ግብሪ ነይሩ ዝጀመሮ ፤ደሓር ግን ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ኣብ ጋዜጣታት ፣ ብርጭቆታት ፣ሰነዳት ሕጊ ፣ቀለምን ሻሂን ዝርከብዎም ወሲኹ ሕድሕድ ወሰኽ ግብሪ ኣብዝግበረሉ እዋን ተቃውሞ ይገጥሞ ነበረ ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝኸፍልዎ ግብሪ ከም ቅፅዓት ዝኾኖም ፤ዝገብሩዎም ሰልፍታት ተቃ፟ውሞ ዝያዳ ሓይሊ ዝተሓውሶም ከምኡ'ውን ማላሽ መንግስቲ ዝያዳ ዝጠበቀ፟እናኾነ ኸደ ። ብፍላይ ኣብ ቦስተን ኩነታት እናኸፍኡ ከይዶም ።እታ ናይ መወዳእታ ጨንገር ኣብ 1775 ወርሒ ለካቲት ካብ ፓርላማ እንግሊዝ ዝተሰንደወት ውሳነ ንምዕፃው ወደብ ቦስተን ዝምልከት ነበረት ። ቦስተን ድማ ንዂናት ክትዳሎ ጀመረት ።

እቲ ምእንተ ለውጢ ተባሂሉ ዝተኻየደ ኲናት ኣሜሪካውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ስጋብ 4 ሓምለ 1776 ብዕሊ እንተዘይተጀመረ'ኳ ኣብ መራብ ቦስተን ኣብ ሚያዝያ 19/1775 ዝተኻየደ ፈላማይ ኲናት ግን ነበረ ።

ኣብ ፅባሕ እቲ ለውጢ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ኣመራርሓ ዩናይትድ ስቴትስ በደላት እንግሊዛውያን ኣስተብሓለ ። ብሊብራላዊ ኣተሓሳስባ እናተመርሐ ድማ ነቶም ዝተለምዱ ኣብ ሞንጎ ኣመሓዳርን ተማሕዳርን ዝነበሩ ርክባት ክቅ፟ይር ጀመረ ።ብዘርኣዊ ወለዶ ዝመሓላለፍ ፣ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ መንግስታዊ ስልጣን ብህዝቢ ብዝተመርፀ ሃገራውን ክልላውን ኣፈፀምቲ ስራሕ ክትካእ ተገብረ ። ኣብ ከባብያውን ክልላውን ምምሕዳራት ተራ ሰባት ምርኣይ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ከደ። ከይዲ መረፃ ክካየድ ከሎ ተሳትፎ ሰባት ክውስኸ ጀመረ ። እዚ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዓለም ምንቅስቃ፟ሳት ናፅነትን ዴሞክራስን ኣለዓዒሉ ።

ዳሓር ሳልሳይ ፕሪዝደንት ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበረ ቶማስ ጀፈርሰን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበራ ግዝኣታት ኣሜሪካ ካብቲ መግዛእቲ ንርእሰን ዘናገፋሉ ውሳነታት ናፅነት ንምርዳእ ኣብ ዝተንተኖ ትፅሑፍ ከምዝበሎ “ ተመሳሳሊ ሜላ ጥቅ፟ዓትን መዝመዛን ዝተሰከመ ሓደ ነዊሕ ባቡር ኩልግዘ ብተመሳሳሊ ዕላማ ዝክተል ፣ዘይለዋወጥ ቅርፂ ብምትብባዕ ኣብ ፍፁም ተስፋ ዘይነበሮ ክትነብሩ ዘገድድ ምሕደራ ንመእላይ ተቃሊሶ ምእላይ መሰሎምን ግዴተኦምን ነበረ።” ኢሉ።

XS
SM
MD
LG