Accessibility links

Breaking News

መግለጺ መዓልቲ ሰራሕተኛታት


ቀደመይቲ ሰኑይ ወርሒ መስከረም ኣመሪካ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እተኽብረሉን፡ ሰራሕተኛታት ድማ ንህንጸት ኣመሪካን ካልኦት ማሕበረሰባት ዝገበሩዎ ኣስተዋጽኦ ብወግዒ እንጽንብለሉን’ዩ።

መዓልቲ ሰራሕተኛታት ካብ 19 ክፍለ-ዘመን ኣትሒዙ ክጽንበል ጸኒሑ። መበገሲኡ ድማ ምስ ምስፋሕ ዘመን ኢንዳስትሪን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ኵለንትናዊ ምዕባለታትን’ዩ። ቅድሚ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ ኣብ 1965 ምዝዛሙ፡ ኣመሪካ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብቲ ዓበይቲ ከተማታትን ሰሜናዊ ምብራቕን፡ ቍጠባኣ ካብ ብሕርሻ ናብ ኢንዳስትሪ ዝሰጋገረሉ ዝነበረ እዋን’ዩ።

ሓደስት ምህዞታት ድማ ነቲ ብኢድ ዝዕየ ዝነበረ ስራሓት ናብ ስራሓት ማሺን ኣስጊሩ፡ ንፍርያት ከም ዝዓቢ ገይሩዎ። ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ምስ ህንጸት መገዲ ባቡር፡ ንተኽእሎታት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ከም ዝሰፍሕን ዝዓቢን ገይሩ። ብእኡ ምኽንያት ድማ ፍርያት ብቐሊሉ ናብ ዕዳጋ ዝበጽሑሉ ኣገባባት ክፍጠር ተኻኢሉ።

እቲ ዝመጸ ኢንዳስትሪያዊ ለውጢ ንኣድላይነት ሰራሕተኛታት ኣዕብዩ። ስራሕ ዝደልዩ ኣመሪካውያን ካብ ወሰናስን፡ ናብ በዓል ኒው-ዮርክ፡ ቺካጎን ፒትስበርግን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ከተማታት ክውሕዙ ጀሚሮም። ማዕረ’ቲ ዋሕዚ ካብ ገጠራት ናብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ፡ ካብ ብዙሓት ሃገራት ኤውርጳ ንዝያዳ ስራሕን ዝሓሸ ዕድላትን ናብ ኣመሪካ ውሒዞም።

ስራሓት ፋብሪካታት እናዓበየ ብዝኸደ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ስራሓት ዕደናን ፍርያት ሓጺንን፡ ዜጋታት ብኣዝዩ ትሑት ክፍሊትን ዘይውሑስ ኣገባብን ንምሉእ ሰሙን ክሰርሑ ይግደዱ ነይሮም። ካብኡ ዝገደድ ድማ ክሳብ ደቂ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሑ ንቖልዑ፡ ንሰዓት ክሳብ ብ20 ሳንቲም ዝበጽሕ ክፍሊት፡ ኣብ ጉልበታዊ ስራሕ ምእታው’ዩ ነይሩ።

ንዝልዓለ ክፍሊት፡ ዝሓሸ ኵነታት ስራሕን ካልእ መሰላትን ንምጥባቕ፡ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ክቖማ ጀሚረን። ተደጋጋሚ ግዜ ኣብ መንጎ ተወካሎ ኣስራሕቲን እቶም ሰራሕተኛታት ብዝህሉ ምትፍናን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጎንጺ ዝወስድ፡ ኣድማ ምክያድ ንቡር ኰይኑ። ከም ኣካል ናይ ተቓውሞ፡ ብ5 መስከረም 1882 10-ሽሕ ሰራሕተኛታት ኒው-ዮርክ ኣብያ ብምግባር ባዕላቶም ዕረፍቲ ብምእዋጅ፡ ናብ ማእከል ከተማን ፓርክታትን መሪሾም። እቲ ዕለት ከኣ ናይ ፈለማ ናይ ሰራሕተኛታት መዓልቲ ዕረፍቲ ኰይና።

እቲ ቀዳማይ ጠለብ ናይ መዓልቲ ዕረፍቲ ሰራሕተኛ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድን ምስ ስድራቤቶም ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ብምጽንባልን ክበዓል ኣሚሞም።

ሎሚ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ወግዓዊ ምዝዛም ወቕቲ ክረምቲ’ዩ ዘመልክት። ካብቲ ፈለማ ዝተበገሰሉ ዕላማ ከይረሓቐ ድማ ብሰላማዊ ሰልፊ፡ ዕረፍቲ ናብ መዘናግዒ ቦታታትን ስድራቤታዊ ምትእኽኻብን’ዩ ዝዝከር።

እዛ መዓልቲ ሃገራዊት በዓል ኰይና ክትክበር ኣብ 1894 ዝፈረሙ ፕረዚደንት ግሮቨር ክሊቭላንድ’ዮም። እቶም ፕረዚደንት ነዛ ዕለት ኣመልኪቶም፡ “ንሓቀኛ መንፈስ ኣመሪካ እተንጸባርቕ፡ ክብሪ ስራሕ ኣብ ቅኑዕ ሓርኮትኮት ሰራሕተኛታት ከም ዝምርኰስ እተርኢ፡” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG