Accessibility links

Breaking News

ምቅላስ ስግኣት ግብረሸብራ ኣብ ኣፍሪቃ


ግብረ ሽበራውያን ኣብ ኣፍሪካ ማእለያ ዘይብሉ ህይወትን መነባብሮን ናብ ሓደጋ ምውዳ፟ም፟ ቀፂሎምሉ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣልሸባብ ሞቋዱሾ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሓያት ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 30 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 117 ድማ ጉድኣት በፂሑዎም።

ኣሜሪካ ኣፍሪካውያን መሻርኽታ ካብ ስግኣታት ሓደጋ ንምክልኻልን ቀፃልነት ዘለዎ፣ ሞያዊ ብቅዓት ዘማልአ፣ ተሓታትነት ዘለዎ ወተሃደራዊን ሲቪላዊ ኣገልግሎት ፀጥታ ንምህናፅን እቲ ዘሎ'ውን ተጠናኺሩ ንኽቅ፟ፅል ትገብሮ ምትሕብባር ኣበርቲዓ ክትቅፅለሉ ሙዃና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፍሉይ ፖለቲካዊ ጉዳየት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ጄፍሪ ዴሎረንተስ ተዛሪቦም። ከምኡ'ውን ስግኣታት ኣልሸባብ ንምቅ፟ናስን ሶማሊያ ደሕንነታ ንምሕላው ዝያዳ ሓላፍነት እትወስደሉ ኩነታት ንምትዕርራይ “ ምስ ሶማሊያ ፣ ልኡኽ መሰጋገሪ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያን ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ኣባል ቤትምኽሪ ፀጥታ ንዝህሉ ተወሳኺ ምትሕብባራት ሃገሮም ብሓጎስ ከምእትቅበሎ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ዴሎሬንትስ ወሲኾም ብተመሳሳሊ ኣብ ሙሉእ ኣፍሪካ ኣይሲስን ኣልቃዒዳን ጎንፅታት ብምልዓል፣ ውድቀታት ምምሕዳራት፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ ብማሕበረ ቁጠባዊ ዘይምምዕርራያት ንዝፍጠሩ ቅርሕንትታት ሰዓብቲን ሃብትን ብምትእኽኻብ ዝተደራጀወ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሞም ቀፂሎሙሉ ይርከቡ ኢሎም። ማሕበረሰብ ዓለም ''ንፃዕሪ እቶም ዝያዳ ተቃላዕቲ ማሕበረሰብ ብምርዳእ ንመጥቃዕትታት ኣኽረርቲ ክነፅጎ ፀዊዖም።''

ብርግፅውን ኣብ ቀረባ ዝወፀ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘርእዮ “ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ስግኣታት እናወሰኸ ምምፅኡ እዩ ዘጠንቅቅ።

ምስ ኣይሲስን ኣልቃይዳ ርክብ ዘለዎም ሓይሊታታ ኣብ ኣፍሪካ ንዝፀንሑ ጎንፅታትን ዘይምስምማዓትን ከምብሓዱሽ ብምቅስቃስ ንመፈፀሚ እከይ ተግባራቶምን ልዑል ቅትለታትን ከጋጥምን ይጥቀሙሉ ኣለዉ።

ከምኡ'ውን ጉጅለ ግብረሽበራዊያን ንሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሓዊሱ ሓደስትን ዝተራቀቁን ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ጅሚሮም 'ዮም። እዚኦም ድማ ንዝፍፅምዎም መጥቃዕቲታት ንምትሕብባር፣ ሓበሬታታት ንምውዋጥን ፕሮፖጋንደኦም ንምንዛሕን ይጥቀሙሎም።

ኣሜሪካ ኣንፃር ግብረሽበራዊያን ሰብኣልቦ ነፈርቲ ናይ ምምዕባል መስርሕ ፃዕራ ኣበርቲዓ ክትቅፅለሉ ኮይና ከምኡ'ውን እዚ ልእኽቶ ንኽሳኻዕ ኬንያ ትጋብሮ ዘላ ፃዕሪ ትንእድ።

ብግብረ ሽበራውያን ኣብ ጥቅሚ ዝውዕሉ ዘለዉ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኩለመዳይ ኣገልግሎት ዘለውኦም ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ፅኑዕ ሓለዋ ኣብ ዘይብሎም ዝፍፅሙዎም መጥቃዕትታት እናወሰከ ምምፅኡ ብምርዳእ ኣሜሪካ ንቅድሚት ኣንፃር እዞም ተግባራት ምስ ኬንያ ዘለዋ ምትሕብባር ኣሐይላ ክትቅፅል እያ።

ማሕበረሰብ ዓለም'ውን ብሓባር ነቲ ከም ኣይሲስ፣ ኣልቃዒዳን ኣልሸባብን ዝበሉ ግብረሽበራዊያን ትካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት አፍሪካን ካልኦትን ንሰላምን ደሕንነትን ብምዕንቃፍ ዝፈጥርዎ ምቅዘፍቲ ንኸብቅዕ ኣብ ቃሉ ክፀንዕ ይግባእ።

XS
SM
MD
LG