Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ: ህዝቢ ዳርፉር ፍትሒ የድልዮ'ዩ


ኣብ 2019ስርዓት ፕረዝዳንት ሱዳን ነበር ዖማር ዓልበሽር ምውዳቁ ስዒቡ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ህዝቢ ግዝኣት ዳርፉር እቲ ንነዊሕ እዋን ዝፅበይዎ ዝነበረ ፍትሒ ክገሃድ ተስፋ ገብሩ። ኣብ 2013 ዝተላዕለ ናዕቢ በቶም ብመንግስቲ ዝተመርሑ ጃንጃዊድ ምልሻ፣ ወተሃደራትን ፖሊሲን ዝሓወሰ ዝወረዶም ከቢድ መጥቃዕቲ ከባቢ 300 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 2.7ዝኾኑ ድማ መንበሪታቶም ሓዲጎም ተሰደዱ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተተከአ ሓዱሽ መንግስቲ ሱዳን ንግዳያት ዳርፉር ንምኽሓስን ግዳያት ፍትሒ ንኽረኽቡን ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥቅምቲ ስልጣን ዝተረከበ ወተሃደራዊ ኃይሊ ሱዳን ግን ስጋብ ሐዚ ክጓተት ክኢሉ እዩ።

ይኹንእምበር ኣብ ዘ ሄግ ዝርከብ ዓለም ለኸ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ዒጭጭ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዓሊ ኩሻይብ እናተባህለ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጃንጃዊድ ምልሻ ዝነበረ ዓሊ መሓመድ ዓሊ ዓብዱ ፡ራሕማን ናብ ፍርዲ ኣቅሪቡዎ እዩ። ብ31 ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንፃር ሰብኣዊነት ድማ ተኸሲሱ እዩ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ፍርዲ ድሕሪ ነዊሕ ትፅቢት ዝተጋህደ ኮይኑ ግዳያት ንዝተፈፀሙዎም ታሪኻት ገበን እናዘንተዉ ፍትሒ ይፅበዩ ኣለዉ።

ቀንዲ መበገሲ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኣብዱል ራሕማን ዝተመስረቱ ክስታት ቃለ ምስክር ዝሃቡ በዝሒ ተዓዘብቲ መሰኻኽርን ዓይኒ ክርከቡ ከለዉ፥ መብዛሕትኦም ድማ ኣብዚ እዋንእውን ኣብ ዳርፉር ዝነብሩ ዘለዉ ምዃኖም እዩ ክብሉይዛረቡ ምኽትል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሪቻርድ ሚልሰ።

ዕኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ዝቀረቡ መሰኻኽር መብዛሕተኦም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ኮይኖም ብኣሻሓት ዝቁፀር ማይላት ተጓዒዞም ናብ ዘ ሄግ ዝበፅሑን ብናይ ገዛእ ርእሶም ቃላት ታሪኾም ዘዘንተዉን እዮም።ዕ

ፕሬዝዳንት ሱዳን ነበር ዖማር ኣል፡ባሽርን ካልኦት ኣብ ዳርፉር ነተፈፀመ ግፍዒ ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ ተኸሲሶም ፍርዶም ይፅበዩ ዓለዉ። ኣምባሳደር ሪቻርድ ሚልስ ከምዝበልዎ ዕሰበስልጣናት ሱዳን ነቲ ብዓቀብቲ ሕግን ሰራሕተኛታቶምን ዝካየዱ ምብፃሓት ንኸይተኣጓጎልን ከምኡእውን ንመርመራታት ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ዝገበርዎ ዘለዉ ሓገዛት ዘሐጉስ እዩ። ሰበስልጣናት ንውሽጣውን ዓለም ለኻውን ሕጋዊ ግቡኦም ንምፍፃም ክተሓባበሩ ነተሓሳስብ ንግዳያት ዳርፉር ፍትሒ ንምሃብ ምስ ICC ክተሓባበሩ ፀዊዖምዕ ኢሎም።

ዕሰበ ስልጣናት ሱዳን ጉጅለ መርማሪ ኢችች ኣብታ ሃገር ክዘዋወሩን መረዳእታን ሓበሬታን ከተኣኻኽቡ ምትሕብባሮም ክቅፅሉን ወሰንቲ ዝበሃሉ መሰኻኽር ብዘይገለ ዕንቅፋት ክረኽቡዎምን ICC ናቲ ከባቢ ከይዱ ንዘካይዶም መርመራታት ሰለጤን ምትሕብባራት ክገብሩ ይግባእ።ዕ

ንሶም ወሲኾም ዕ እቶም ICC ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝወፀሎም ሰባት ኣብቅድሚ ፍትሒ ክቀርቡ ስለዝግበኦም ኣሕሊፎም ክህቡዎም ይግባእ ዕኢሎም ዕኣሜሪካ ነቲ ICC ተሓታትነት ብምድንፋዕ ፍትሒ ንምንጋስ ዝገበር ፃዕሪ ብምድጋፍ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሱዳን ጠጠው ምባላ ትቅፅልዕኢሎም።

XS
SM
MD
LG