Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ መዓልቲ ሸቃሎ ኣመሪካ


በቢዓመቱ ፈላመይቲ ሰኑይ ወርሒ መስከረም አሜሪካዊያን መዓልቲ ሸቃሎ የኽብሩ። ሰራሕተኛታት እዛ ሃገርን ንምዕባለ ኣሜሪካ ዝገበርዎ ኣበርክቶን ክብሪ ንምሃብ የብዕልዎ።

መዓልቲ ሸቃሎ ዕላዊ ናይ መወዳእታ እዋን ሓጋይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ እዩ። ከምኡእውን ንመብዛሕትኦም ኣሜሪካውያን ሸቃሎ ካባ ስራሕ ነፃ ዝኾኑላን ናይ እዋን ሓጋይ መወዳእታ መዓልቲን ብሙዃና ኣብ ደገ መግብታት ብምብሳል፣ ምስ መሓዙቶምን ስድርኦምን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኮነ ኣብ መረበኦም እናሓምበሱ ቤተሰብን መሓዙትን ዝተኣኻኸቡሉ ኣጋጣሚ ዝፈጥር በዓል ኮይኑ ይኽበር።

ኣብ መበል19 ክፍለ ዘመን ድሕሪ ኲናት ሕድሕድ ዝነበራ ፲ ዓመታት በቶም ካፒተናት ኢንዱስትሪ እናተባህሉ ዝፍለጡ ሃብታማት ነጋዶን ሊቃውንቲ ኢንዱስትርን ዝነበሩ ከም ኮርኔሊየስ ቫንደርቢልት፣ ኣንድሪው ካርኔጊ፣ ጄ።ፒ። ሞርጋንንን ዲ ሮክፌለርን ብሙዃን ነቲ ብቅ፟ልጡፍ እናዓበየ ዝመፀ ቁጠባ ብዙሓት ሓደስቲ ምህዞታትን ሓያሎ ጉልበት ስደተኛታትን ብምርካቦም ገዚፍ ሃፄያዊ ግዝኣታት ንግዲ ክሃንፁን ብዙሕ ሃብቲ ዘዋህልሉን ዕድል ፈጠረሎም።

እኹል ዕድላት ስራሕን ሰራሕተኛታትን እንተቅ፟ረቡእዃ ኣሰራርሓታቶም ግን ስሰዐ ዝወረሶን በዝባዝን ነበረ። ኣብ እንዳ መጥሓናት፣ ፋብሪካታትን ማዕድናትን ዝሰርሑ ሸቃሎ መዓልታዊ ን፩፪ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ሸውዓት መዓልታት ይሰርሑ፤ ይኹን እምበር ክፍሊቶም ግን ምስኡ ዝመጣጠን ኣይነበረን።

ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ ካብ መወዳእታ 1980ታት ጀሚሮም ማሕበራት ሸቃሎ ከጣይሹ ጀመሩ። ገለ ገሊኦም ኣብ መፈለምታ 18 ክፍለ ዘመን ዝመስረቱእውን ነይሮም። እቶም ሸቃሎ ዝተመሓይሸ ክፍሊት፣ ሕክምና፣ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ናይ ስራሕ ሃዋህውን ነቲ ብቅልጡፍ ዝዓቢ ዝነበረ ቁጠባ ኣሜሪካ ዘበርክትዎ ግደ ኣፍልጦ ክረኽቡ ዝሓትት ነበረ። እዚኣቶም ዘየማልኡ ምሥኾኑ ድማ ሰልፊ ተቃ፟ውሞ የካይዱ ይኹንምበር ንደሕንነቶም ኣብ ሓደጋ ዘውደቀ፟ ነይሩ። ነቲ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባል ኣድመኦም ዝብትኑ ብኣመራርሓ እቶም ትካላት ዝተቆ፟ፅሩ ዘረፍቲ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ውርዱሎም ነበሩ።

ካብቶም ዘይርስዑ ፍፃመታት ሓደ ኣብ ሽካጎ ኣንፃር ፋብሪካ ፑልማን ዝተካየደ ሰልፊ ተቃውሞን ዝወረደ መጥቃዕትን እዩ። ብማሕበር ሸቃሎ ኣብ ካምፓኒታት መገዲ ባቡር ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ንምቅናስ መሃያን ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ምብራርን ዝበሉ ስጉምታት ካምፓኒኦም ብምቅዋም ንዘካየድዎ ተቃውሞ ብወተሃደራት ፌደራል ክብተኑ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ 30 ሰባት ሞይቶም። እቲ ዝገርም ድማ ኣብታ ተቃ፟ውሞ ዝተኻየደላ ዕለት ፕሬዝዳንት ግሮቨር ክሊቭላንድ መዓልቲ ሸቃሎ ዝኽበረሉ ሕጊ ፈሪሞም።

ፕረዝዳንት ጆ ባይደን “ ፃዕራማት ሸቃሎ ኣሜሪካውያን መሰረት ሃገርና እዮም። ማእከላይ እቶት ዘለዎም እዮም ንኣሜሪካ ሃኒፆማ ማሕበራት ድማ ነቶም ማእከላይ እቶት ዘለዎም ፈጢሮምዎም። ኩሎም ንዘላቂ ህይወት ማእከላ እቶት ዝድግፉ ነገራት ብማሕበራት ዝተደገፉ እዮም። ኣብዚ መዓልቲ ሸቃሎ ድማ ሃገራዊ ቁጠባና ክንቀሳቀ፟ስን ጠንኪሩ ክምዕብልን ንዝገብሩ ኹሎም ሰራሕተኛታትን ቀፃልነት ዘለዎ ምንቅስቃ፟ሳቶምን ነኽብር።”


XS
SM
MD
LG