Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ ብዙሕነት ቀረብ ናብ ቻይና


ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ኣብ መድረኻት ዓለም “ ኣብ ዞብኡ ኮነ ካብኡ ሓሊፉ ብዝተፈላለያ መልክዑ ዓብላላይን ብዝበኣሰ ድማ ተፃባይ ይኸውን ኣሎ”ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ኣብ ስነስርዓት በዓል ዝኽሪ ፍራን ኣይዘንስታትን ስድራ አይዘንስታት ኣብ ዝተረኽብሉ እዋን ተዛሪቦም ።

ኣሜሪካ ንህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ብሰለስተ መዳይ እያ ትቀ፟ርቦ ።ከም ተነሓናሓይ ፣ ተሓባብራይን ተፃባኣይን እዮም ።“ ምስ መሓዙትናን መሻርኽትና ተሓባቢርን ብምቅዳው ብሓንሳብ እንተሰሪሕና ኣብዞም ጉዳያት ምስ ቻይና ኣብ ዝህልወና ርክብ ኣዚዩ ብሉፅን ውፅኢታዊ ዝኾነን ለውጢ ከመነምፅእ ርዱእ እዩ ።” ክብሉ ኣፅኒዖም ተዛሪቦም ብሊንከን ።

“እቲ ቀንዲ ምስ መሻርኽትና ዘሎና ርክብ ንምሕዳስ ብዙሕ ወፃኢ እነውፀኣሉ ምኽንያት ሓባራዊ ርክባትናን ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዘለና ተሳትፎን ምስ ቻይና ኣብ ዝህልወና ርክባት ካብ በይንና ብሓባር ክንገብሮ ዝበለፀ ከምዝኸውን ብምእማን እዩ ።ሓባራዊ ሓይሊና ካብቲ ዋላ ከም ኣሜሪካ ንበይንና እንገብሮ ናብ ውፅኢቱ መፂእካ ዝያዳ ዝረዝንን ኣፈላላይ ዘምፅእን ብሙኳኑ 'ዩ ።”

ምስ መሓዙትና ምትሕብባር ብፍላይ አብ ሓደሓደ ዓብላላይ ባህሪ ዝሓዘ አብ ትሕቲ PRC ቻይና ዝርጉሕ ንግዳውን ፖለቲካውን ምተእስሳራት ብምንዳይ ብቴክኖሎጂካዊ ቁጠባ ምዕሩይ ባይታ ንምፍጣር ተኣሊሙ ዝተዘርገሐ ተበግሶ ( Belt andRoad initiative) ኣማራፅቲ ፕሮጀክትታት ኣብ ምቅ፟ራብ ጠቃ፟ሚ እዩ ።እዞም ስምምዓት ትሕቲ ቅ፟ርፂ ኣብ ዓለም ንዘለዋ ሃገራት ሸኽሚ ኮይንወን 'ዩ ዝርከብ ። ክብሉ ተዛሪቦም ብሊንከን ።

“ ካብቶ ቀንዲ ፀገማት ብዛዕባ እቶም ዝስርሑ ኢንቨስትመንታት ትሕቲ ቅርፂ ሪኢና ኢና ሃገራት ክስከመኦን ክኸፍለኦን ዘይኸእላ ዕዳ እዩ ዘሸእክመን ።ንዕዑ ክኸፍላ ክብላ ዝገብረኦ ፈተነታት ድማ ቁጠባታተን ይዛባዕ ወይውን እቶም ኢንቨስትመንታት ቻይና ትውንኖም ።”

PRCኣብ ክንዲ ሰራሕተኛታት ውሽጢ ዓዲ ነቲ ስራሕቲ ዝሰርሕዎ ካብ ሃገራ ሰራሕተኛታት ብምምፃእ አብቶም ፕሮጀክትታት ትሕቲ ቅርፂ የስርሕ ።መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት PRC ኣብ ሓደጋ ዝወደቁ እዮም ፣ ናይ ምጥርናፍ መሰል ዘይብሎም እዮም ወይውን ብኣስገዳድ ዝሰርሑ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ። መብዛሕትኡ ግዘ እቶም ዝስርሑ ንሓለዋ ኸባቢ ኣብ ግምት ዘየእተወ ብትሑት መዓቀኒ መሰረተ ልምዓት ዝተሃንፁ እዮም ።

ብኣንፃሩ ኣሜሪካን መሻርኽታን ምስ ሃገራት ጉጅለ 7ን ካልኦትን ብምትሕብባር ኣብ መላእ ዓለም ዝሃንፀኦ ድማ ዝለዓለ ብርኪ መለክዒ መሰረተ ልምዓት ዘማለአን መወዳእትኡ ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ሕዝቢ ዝይዳ ሰሓባይ ብዝኾውን መልክዑ እዩ ።

ኣሜሪካ ምስ መሓዙታን መሻርኽታን ብሙዃን ንተሳትፎታት PRCከከም ኣድላይነቱ ንምእላይ ወይውን ጠጠው ከብል እትስርሖም ስራሕቲ ቃላ ኣፅኒዓ ክትቅፅለሉ እያ ።

XS
SM
MD
LG