Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ ትኹረት ዝተነፍጎም ሕማማት


ጥሪ ንሳልሳይ እዋን ዝኽበር ዘሎ ዓመታዊ መዓልቲ ጠመተ ዝተነፍጎም ሕማማት ቆላ ኮይኑ ዓለም ብዛዕባ እቶም ሕማማት ዘለዎ ግብንዛበ ክብ ንምባል ተሓሲቡ ዝኽበር እዩ ።ብተወሳኺ ኣብቲ ዕለት ኣንፃር እቶም ሕማማት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፖለቱካዊ ሓገዛትን ደገፋት ኢንቨስትመንትን ዝውህለለሉ መዓልቲ ክኸውን እዩ ትፅቢት ዝግበር ።

እዞም ጠመተ ዝተነፍጎም ሕማማት ከም ዝተገለሉ ዝሕሰብሉ ምኽንያት ኣብ ኣጀንዳታት ጥዕና ዓለም ዝወሃቦም ጠመተ ኮነ ዝምደበሎም ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ ካልኦት ክረአ ከሎ ውሑድ ብሙዃኑ እዩ።

ብፅግዕተኛ ፣ ባክተሪያን ብቫይረስ ኣብ ዝመፁ ሕማማት ዝምደቡ እዮም ። ብሕፅረት ውልቀ ፅርየትን ፅሩይ ዝስተ ማይን ኣብ ዘይርከቦም ከባቢታት ዘጓንፉን ሕዱር ጉድኣት ኣካል ዘስዕብ ሕማማት እዮም ። ካብቶም ዘስዕቡዎም ዝተለምዱ ሕማማት ሊምፋቲክ ፊላርያሲስ ፣ ትራኮማ ፣ ዕውረት ፈለግ ፣ ሽስቶሶሚያሲስን ሓሳኹ መዓንጣን እዮም ።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሓደ ቢልየን ዝኾኑ መብዛሕትኦም ኣብ ኣፍሪካ ፣ኤስያን ላቲን ኣሜሪካን ዝርከቡ ህዝብታት ዝያዳ በዞም ሕማማት ዝጥቅዑ እዮም ። ይኹን እምበር መዛግብቲ ታሪክ ከምዘርእይዎ ግዳያት ንዘመናት ክዓወሩ ፣ዝሰንከሉ ፣ ቅርፂ ኣካሎም ተቀ፟ይሩ ክሞቱ ፀኒሖምእዮም ። ከምኡእውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ፤ ኣብ ማሕበረሰብን ውልቀን ፅዕንቶኦም ዝኸፍአ እዩ ። ስነ ኣእሙሮኣዊ ዕብየት ህፃናት ስለዝሃስዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቁፅሮም ይቅ፟ንስ ። መብዛሕትኦም ብኝጥዽስ ዝተለኽፉ ዝተወሰነ ወይውን ጠቅ፟ሊሉ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ ስለዘይኽእሉን ሰሪሖም ዝልወጥሉ ዕድል ስለዝውሰንን ኣብ ድኽነት ጥሒሎም ክነብሩ ይግደዱ ።

እቲ ዘሐጉስ ግን መብዛሕትኦም ሕማማት ኝጥዽስ ክትከላኸሎም ወይውን ብውሑድ ሕክምናዊ ወፃኢ ክፍወሱ ዝኽእሉ ምዃኖም እዮ ። ኣብ 2006 እዩ መንግስቲ ኣሜሪካ ነዞም ሕማማት ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተፀምበረ ።ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ ፕሮግራም ጠመተ ዝሰኣኑ ሕማማት ቆላ ዝብል ውልቃዊ ህዝባዊ ምሕዝነት ብምጥያሽ ብሕማማት ኝጥዽስ ንዝሳቀ፟ዩ ሰባት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህብ ዝጀመረ። ከምኡእውን እቲ ፕሮግራም ነቲ ሓደጋ ዝተጋለፁ ክፋላት ማሕበረሰብ ፈሊዩ ብምልላይ ፤ ካብ ፋብሪካታት ብሓገዝ ዝወሃቡ መድሓኒታት ብወፍሪ ብምክፍፋልን ውፅኢታቶም ብምልካዕን ንኸይጋፍሑ ኣብ ምክልኻል ዓሊሙ ይሰርሕ ነበረ ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ሕማማት ንምጥፋእ ዝገበሮ ፃዕሪ ልዕሊ ሓደ ቢልየን ዶላር ወፃኢ ገይሩ እዩ ። መንግስቲ ኣሜሪካ ዘውፀኦ ሕድሕድ ዶላር ፪፮ ዶላር ዘውፅእ ንጅምላ ሕክምናዊ ወፍርታት ዘገልግሉ የግዝእ ብሓፈሻ ፪፯።፮ ቢልየን ዶላር ዝግመት እውን ኣብ ጥቅ፟ሚ ውዒሉ ።ኣብዚ እዋን ናብ ፶0 ሚልየን ዝፅጋዕ ህዝቢ ንኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ሰለስተ ሕማማት ኝጥዽስ ተባሂሉ ዝወሃቦም ዝነበረ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ወሲዶም ነፃ ዝኾኑ እዮም ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብ ኣቢሉ ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ነዞም ዓቅ፟ሚ ሰባት ዘዳኽሙ ሕማማት ብምንካይ፣ኢሉውን ሓደ መዓልቲ ጠቅ፟ሊሎም ዝጠፍእሉ ኩነታት ብምፍጣር ሕይወት ልዕሊ ሓደ ቢልየን ዝኸውን ህዝቢ ንምምሕያሽ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ።

XS
SM
MD
LG