Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ- ኲናትን ኣብ ህጻናት ዘሕድሮ ጽልዋ


ኣብ እዋን ኲናት ዝያዳ ተሃሰይቲ ሰላማዊያን ህዝብታት ኮይኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ህፃናት ይገድድ። ኣብ መብዛሕትኦም ናይ ኲናት ዞባታት ህፃናት ተጨውዮም ይውሰዱ ንናይ ጉልበት ወሲባዊ ስራሕትን ይዋፈሩ፣ ብሓይሊ ናብ ውግእ ክኣትዉ፣ይቕተሉ፣ ይስንክሉን ብዘይ ናባይን ይተርፉን። “ህፃናት ብፍላይ ድማ ደቂኣንስትዮ ፆታ ማእከል ንዝገበሩ መጥቃዕቲ ዝተቓልዓ እየን “ ኢሎም ምኽትል ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንሕቡራት ሃገራት ሪቻርድ ሚልስ።

“41ሚእታዊ ዓለምለኸ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ ጭውያ ምውሳኹ ዘሕዝን እዩ። ኣብ እዋን እቲ ጭውያ ከኣ ኣገዲድካ ምምርዓው፣ ምዕማፅን ካልእ ዓይነት ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት የጋጥመብ

ኣምባሳደር ሚልስ ወሲኾም “ኣብ ናይ ዞባታት ውግእ ዝርከቡ ህፃናት ንርእሶም ዝከላኸልሉ ዓቕሚ ይስእኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ህፃናት መንበሪታቶም ሓዲጎም ክወፁ ይግደዱ፣ ምስ ስድረኦም ክፈላለዩን ንፆታዊ መጥቃዕትታት ይቃልዑን።” ኣብ ኣፍጋኒስታን ስርዓት ታሊባን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልድ ከቢድ መጉዳእቲ ኣብፂሑ እዩ ኢሎም።

ትሕቲ ዕድመን ኣገዲድካን መርዓን ብህፃውንተን ዝሓልፈኦ ህይወትን ነቲ ኣብ ኣካላውን ስምዒታውን ጥዕና ኣብ መፃኢ እቶም ህፃናትን መናእሰይን ስንክልና ፈጢሩ እዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ጥንቃቐ ንዝጎደሎን እዋኑ ዘይሓለወን ጥንሲ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ዝለዓለ ስለዝኾነ ማህሰይተን ዝዛየደ ይገብሮ።

ከምኡ’ውን ኣብ ዩክሬን ዘጋነፈ ወራር ሩስያ ኣሎ

“ኣብ ዩክሬን ጭካነ ዝተመልኦ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ህፃናት መዕነዋይ ፅዕንቶ ዘለዎ ማህሰይቲ ኣውሪዱ እዩ። ኣብ እዋን ኩናት ካብ ዩክሬን ንዝመፁ ስድራ ዘይብሎም ህፃናት ናይ ሩስያ ፌደሬሽን ፓስፖርት ብምሃብ ዝሓወሰ ይርከብቦ።” ኢሎም ኣምባሳደር።

ሩስያ ናብ ተቖፃፀረቶም ግዝኣታትን ኣብ ቀረባ ዝወረረቶም ከባቢታትን ዩክሬን ህፃናት ዩክሬን ብስፍሓት ብምግዓዝ ከምኡውን ናብ ሃገራ ብምስጋር ንዕላምኣ ምውዓልን ንኻልኦት ስድራ ከዕብይዎም ብምሃብን ክትገብር ምፅናሓ ብሰፊሑ ክዝረበሉ ዝፀንሐ እዩ።

ብርግፅ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ዩኒቨርስቲ ያሌ ብምትሕብባር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዝተሓተመ ሪፖርት ከምዝሓበሮ መንግስቲ ሩስያ ብውሑዱ 6,000 ዝኾኑ ህፃናት ካብ ዩክሬን ብምጭዋይ ንሓውሲ ደሴት ክረሚያ ሒዙ ስጋብ ሩስያን ሳይቤሪያን ከባቢታት ዝዝርጋሕ መርበብ ሓንፂፁ ብውሑዱ 43 ናይ ዳግመ ምምሃርን መዕቖቡ ማእከላትን ምጥያሹ ኣረጋጊፁ። ከምዚ ዝበለ ተግባር ድማ ገበን ኩናት እዩ ኢሉ።

“ህፃናት ንኸይጉድኡ ንወስዶም ናይምክልኻል ስጉምትታት ከለና ብኡ ኣቢልና መፃኢና ኢና ንሕሉ ዘለና። ንመፃኢ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ክወርዱ ንዝኽእሉ መጥቃዕትታትን ግፍዕታትን ንምክልኻል ነዞም ተግባራት ዝፍፅሙ ተሓተቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ግልፂ ክንገብር ይግባእ ኢሎም ኣምባሳደር ሚልስ።

XS
SM
MD
LG