Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ- ጁንቲኒዝ


ኣመሪካውያን ብፍላይ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካንዊያን ' ጁንቲዝ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰነ 19 ሰነ ዝዝኽበር በዓል የክብሩ። እዛ ዕለቲ ነቲ 1 ጥሪ 1863 ዕለት ኣዋጅ ሓርነት ትዝክር ወይውን ነቲ ኣብ 6 ታሕሳስ 1865 ኣብ መላእ እታ ሃገር ንመግዛእቲ ባርያ ዘትረፈ መበል 13 መመሓየሺ ሕገመንግስቲ ኣመሪካ ዝፀደቐሉ ዕለት ዘመልከተት ኣይኮነትን። የግዳስ ነቶም ኣብ ቴክሳስ እትርከብ ደሴት ጋልቨስተን ተገሊሎም ዝነብሩ ብዙሓት ባሮት ናይ መወዳእታ ነፃ ምውፀኦም ዘበስር ዜና ዝሰምዑላ ዕለት ዝዝክር እዩ።

19 ሰነ 1865።

ድሕሪ ሓደ ዓመት 19 ሰነ 1866 ኣብ ቴክሳስ ጁንቲዝ ንፈለማ እዋን ተኸቢሩ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተፀምበለ ናብ ደቡባዊ ክፋል ኣመሪካ'ውን ክባጻሕ ጀሚሩ። ሎሚ ጁንቲዝ ኣብ መላእ ኣመሪካ እቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘቑፀረ ዝኽረ በዓል ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካውያን እዩ።

156 ዓመት ወሲዱ ነቲ 19 ሰነ 1865 ዝተወሰነ ኣፍልጦ ንኽረክብ። ኣብ 17 ሰነ 2021 ነይሩ ፕረዝዳንት ጆ ባይደን ጁንቲንዝ ፊደራላዊ በዓል ክኸውንን ሃገራዊ መዓልቲ ናፅነት ክበሃልን ዝወፀ ሕጊ ብምፍራም ኣዊጆም። ፕሬዝደንት ባይደን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ “ጁንቲዝ መንግስታዊ በዓል ኽኸውን ምግባር ተምሳሌታዊ ተግባር ጥራሕ ኣይነበረን።

ጁንቲዝ ፊደራላዊ በዓል ክኸውን ምእዋጅ ተምሳሌታዊ ትርጉሙ ጥራሕ ኣይነበረን እዛ ሃገር ነቲ መሰረታዊ መበገሲ ባርነት ከምሓጥያት ኣፍልጦ ምሃብ 'ውን ዘይከሓድ ሓቂ ምዃኑ ምቕባል ኣገዳሲ ብምንባሩ እዩ” ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ዘይተኻየደ ውግእ ንምርዳእ ብዛዕባ ማሕበር ራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ መሰረታዊ ጉዳይ ሃገርን ናፅነትን እዩ ይሩ እቲ ቓልሲ ንምዝኽኻር ዝኣክል ኣዋጅ ነፃነት ሰነድ ጥራሕ ኣይነበረን ነቲ እታ ሃገር ዘጎናፀፈቶ እንታይነት ነፃነት ዝሓዘ ነይሩ ገሊኦም ሓሳባት ዝበለፀ ሓይሊ ከምዘለዎም ዘረጋገፀ ነይሩ ክክሕድዎ ኣይኽእሉንኩላትና ብኣምሳለ ኣምላኽ ማዕረ ኾይና ምፍጣርናን ስጋብ ሕልፈትና ድማ ማዕረ ክንረአ ከምዝግበአናን መፅበዓ ኣሜሪካ ዘዘኻኽረና እዩ

ጁንቲዝ ንኽልቲኦም እዋናት ነታ ኣዝዩ ከቢድ እዋን ባርነትን መግዛእትን ዝነበረላ ለይቲን ከምኡ'ውን መፅበዓ መፃኢ ነፃነት ዘመልከተት ወጋሕታን እተመልክት እያ።

XS
SM
MD
LG