Accessibility links

Breaking News

ስግኣት ምውንጫፍ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ሰሜን ኮርያ ተደጋገምቲ ስሩዕ ፈተነታት ሚሳይል ኣካይዳ እያ ። አዝዮም ተባራዕቲ ሚሳይላት ካብ ምብራቃ፟ዊ ገማግም ባሕራ ዝተበገሱ እዮም ። ፒዮንግ ያንግ ፈላማይ ፈተነ ሚሳይል ቅድሚ 6 ወርሒ ምክያዳ ዝዝከር እዩ ።

ኣሜሪካ ነዞም ሰሜን ኮርያ እቲገብሮም ዘላ ፈተነታት ሚሳይል ተቃ፟ዊማቶ እያ ። ውሃቢ ቃል ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣው መግለፂ “እዚ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ሚሳይል ንብርክት ዝበሉ ውሳነታት ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጠሓሰ እዩ ፤ ከምኡ'ውን ንጎረባብቲን ሃገራት ስሜን ኮርያን ካልኦት ሃገራት ኣባል ማሕበረሰብ ዓለምን ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑን 'ውን ንፈልጥ ኢና” ኢሎም።

ውሃቢ ቃ፟ል ሓይሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ጆን ከርቢ “ እዞም ምንቃስቃ፟ሳት ፅዕንቶ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ሰሜን ኮርያ ዘመላኽት እዩ” ከምኡ'ውን ነቲ ኣሜሪካ ምስ ሓይሊ ምክልኻል ኮርያን ጃፓንን ዘለዋ “ፅኑዕ ስምምዓት ” ደጊሙ ዝጠሓሰ እዩ ኢሎም ።

ኣሜሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ተካይዶ ዝነበረት ዘተታት ኒኲለር ካብ 2019 ጀሚሩ ጠጠው ምባሉ ዝዝከር እዩ ። ምምሕዳር ባይደን ግን ዳግም ናብ ዘተ ንምምላስ ድልየት ከምዘለዎ ግልፂ ገይሩ እዩ ።

ከም መግለፂ ውሃቢ ቃ፟ል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ “ዘተ ነቲ እንደልዮ ሸቶ ክወቅ፟ዓልና ይኽእል እዩ ዝብል መምርሒ ኢና ንስዕብ ። ብቀ፟ሊሉ ኒኲለር ወሽመጥ ባሕሪ ስሜን ኮርያ ምምካን ዝብል እምበር ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ፅልኣት የብላንን ” ኢሎም ። ፕራይስ ወሲኾም “ ንሕና ፃዕርና ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ፣ ንደቡብ ኮርያን ጃፓንን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መሓዙት ሃገራት ዝግበር ምፍርራሓትን ስግኣትን ንምቅ፟ናስ ዝዓለመ እዩ ። ንሱ ድማ ብዲፕሎማስያዊ ዘተ ነተግብሮ ይመስለኒ ” ኢሎም ።

ኣብ ቀረባ እዋናት ንአሜሪካ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ምስ ሰሜን ኮርያ ነቲ ኣጀንዳ ብዝምልከት ተደጋገምቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ተኻይዶም እዮም ።ኣብ መፋርቅ፟ ወርሒ መስከረም ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንሰሜን ኮሪያ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሱንግ ኪም ናብ ቶክዮ በፂሖም ነይሮም ።ኣብኡ ድማ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጃፓንን ደቡብ ኮሪያን ተራኺቦ ብዛዕባ ምንቅስቃ፟ሳት ሰሜን ኮርያን ካልኦት ርእሰ ጉዳያትን ዘትዮም ።ከምኡ'ውን ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ቻይናን ደቡብ ኮርያን ድማ ሰሜን ኮርያ ካብ መርከብ ነዊሕ ርሕቀት ዝውርወር ሚሳይል ድሕሪ ምውንጫፋ ሒዶት መዓልታት ኣብ ሳኦል ተራኺቦም ነይሮም ።

ፕራይስ እቶም ዝተኻየዱ ርክባትን ዘተታትን ነቲ ኣሜሪካን ሃገራት እቲ ዞባን ዝግደሳሉ ሓባራዊ ሸቶ ንኽዕወት ዝመርሑ ኣዝዮም ጠቀ፟ምቲ ዲፕሎማስያዊ እታወታት ዝተረኽብሎም ነይሮም ይብሉ ።“ነቲ አብ ወሽመጥ ባሕሪ ኮሪያ ተፀሚዱ ዝርከብ ኒኲሊየር ዘምክን መንገዲ ዝመርሕ ምዕቡልን ትርጉም ዘለዎን ” ክብሉ ድማ ገሊፆሞ ።

XS
SM
MD
LG