Accessibility links

Breaking News

ሽልማት ንሩስያዊያን ሰርሰርቲ መርበብ ሓበሬታ


ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፕሮግራም ሽልማት ንፍትሒ ዝኾነ ብናይ ደጋውያን መንግስታት ተቖፂሩ ንሕግታት ንጥፈታት ኢንተርኔት ጥሒሱ ሓበሬታ ብዘይኣገባብ ንምርካብን ምህሰይቲ ኣብ ልዕሊ ዘውርዱ ሰባት ዝርከብሉን ብዛዕበኦም ሓበሬታ ንንዝ ህብብን ሰብ ስጋብ 10ሚልየን ዶላር ዝበፅሕ ዓስቢ ክኸፍል ሙኻኑ ኣፍሊጡ ።

ፕሮግራም ሽልማት ንፍትሒ ኣብ ቤት ፅሕፈት ስለላ ሓይልታት ጦር ፌደሬሽን ሩስያ ዝሰርሑ 6 ሰበ ስልጣናት ንቐንዲ መሰረታት ልምዓት ኣሜሪካ ዝትንክፍ ብንጥፈታት ኢንተርኔት ዝተሓገዘ ዕንወት ምንቅስቓሳት ሳይበር ይሳተፉ ብምህላዎም ነዚ ገበነኛ ተግባሮም ንምክልኻል ብዛዕበኦም ሓበሬታ የናዲ ኣሎ ።

እዞም ሰበ ስልጣናት ፌዴሬሽን ስለያ ሓይልታት ጦር ሩስያ ዩሪ ሰርየቪች ኣንድርየንኮ ፣ ሰርገይ ቭላዲሚሮቪች ዲቲሶ፣ ፓቨል ቫለሪቪች ፍሮሎቭ ፣ ኣናቶሊ ሰርገየቪች ኮቫለቭ ፣ ኣርተም ቫለሪቪች ኦቺቸንኮን ፔትር ኒኮላይቪች ፕሊስኪን ኣባላት ናይቲ መዕነዋይ ተበላፃይ ሶፍትዌር ዘፍረዩን ብዘይ ፍቓድ ናብ ኮምፑተራት ብምእታው ንሩስያ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘርክብን ካልእ ረባሺ ዝኾነ ውዲታት ዝፈፀሙ እዮም ።

እዞም ሽድሽተ ውልቀ ሰባት ኣብ ህንፃ 74455 ቴለቦት ቮዶ ቢርን ኣይረን ቫይኪንግ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዝሰርሑ ኮይኖም ከምኡ”ውን ጉጅለ ተመራመርቲ ስለላ ሳይበር ሳንድዎርም ብዝብል ሽም ውን ይፍለጡ ፡፡

እዞም ውልቀ ሰባት ነቲ ኣብ 27 ሰነ 2017 ኖትፔትያ ብዝብል ዝፍለጥ መርበብ ተጠቒሞም ኣብ ኣሜሪካን ዓለም ለኸ ኮምፑተራትን ዕንወት ካብ ዝፈጠሩ ኣባላት ገበነኛታት እዮም ። እዞም መጥቃዕታት ሳይበር ኣብ ምዕራብ ፔንስላቬንያ ዝርከብ ስርዓት ሃብትታት ጥዕና ፣ ኣብ ዓብዪ መምረቲ መድሓኒት ኣሜሪካን ካልኦት ኮምፒቶራት ናይ ውልቀ ትካላት ፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላት ሕክምናን ሓደጋ ኣውሪዶም እዮም ። እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ አቶም መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ትካላት ኣሜሪካ ናብ ሓደ ቢልየን ዝፅጋዕ ክሳራ ኣብፂሑ እዩ ።

ኣብ ፩፭ ጥቅምቲ ፳፳ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ እዞም ፮ ሰበ ስልጣናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኮምፑተራት ብኢንተርኔት ኣቢሎም ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕት ፣ ስርቂን ሐዚ”ውን እናቐፀለ ይኸይድ ብዘሎ መርበባዊ ምትላላትን ሓደጋን ከምዝኸሰሶም ዝፍለጥ እዩ ።

ብዲፕሎማሲ ፀጥታ ዝመሓደር ፕሮግራም ሽልማት ንፍትሒ ካብ ዝተመስረተሉ ፩፱፰፬ ጀሚሩ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ግብረ ሽበራ ንምክልኻል ዝሕግዙ ፣ ግብረሽበራውያን መራሕቲ ናብ ፍትሒ ዘቕረበን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ፀጥታ ኣሜሪካ ስግኣት ንዝኾኑ ናብ ፍትሒ ዘቕርብ ሓበሬታ ንዝሃቡ ከባቢ ፻ ዝፅግዑ ሰባት ልዕሊ ፪፻ ሚልየን ዶላር ከፊሉ እዩ ።

ዝበለፀ ሓበሬታ ፕሮግራም ሽልማት ንፍትሒ

ንምርካብ ኣብ ትዊተር ገፁ ህትትፕስ፥፨፨ትዊትተር።ቾም፨ርፍጅ_ዑጽዓ ፣

መርበብ ገፃቶም ህትትፕስ፥፨፨ረዋርድስፎርጁስቲቸ።ነት።ኣቢልኩም ንእጥብዎም ሓበሬታታት ብምስጢር ዝተሓዝ ሙኻኑ ይሕብር ።

XS
SM
MD
LG