Accessibility links

Breaking News

ብጂ7 ዝፍለጥ ጉጅለ ዝማዕበላ ሃገራት ንስጉምቲታት ሩስያ ኣብ ዩክሬን ይኹንን


ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ንወሽመጥ ባሕሪክራሚያን ብሓይሊ ብምምንዛዕን ምውራርን ግዝኣታ ከተስፍሕ ካብ ዝፈተነትሉ እዋን ዛጊድ 7 ዓመት ኮይኑዎ ይርከብ ። መጋቢት 18 ዩናይትድ ስቴትስ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ዝፃሕተረቶ ጎንፂ ዝኾነና 6 ሃገራት ኣባል ጉጅለ 7 (G7) ሃገራት ተፀምቢራ ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ፣ካናዳ ፣ ፈረንሳይ፣ጀርመን፣ጣልያንን ጃፓንን ብሓባር ኣብዘውፅእዎ መግለፂ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ዘይሕጋውን ተቀ፟ባልነት ዘይብሉን እዩ ክብሉ ኮኒኖም ።

"ሩስያ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ሪፐብሊክ ክራሚያን ከተማ ሴቫስቶፖልን ብምጥሓስ ንዝፈፀመቶ ወራር ብዘየማትእ ንኹንኖ ። ሩስያ ነቲ ወራር ሕጋዊ ንምምሳል ትገብሮ ዘላ ፈተነ ተቀ፟ባልነት ዘይብሉን ኣፍልጦ ዘይወሃቦን 'ዩ ። ብሙኳኑ ብሓደ ድምፂ ንኹንን " ክብሉ ፅሒፎም ።

ሚኒስትራት ጉጅለ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ፣ናይ መወዳእታ ሕጊ ሄልሲንኪን ቻርተር ፓሪስን ብምጥቃስ " ናይ ዝኾነ ግዝኣት ክልላዊ ሓድነት ናይ ምኽባር መሰረታዊ መምርሕታትን ዶባትን ንምልዋጥ ተባሂሉ ዝግበር ዝኾነ ሓይሊኣዊ መጥቃዕቲ ከምዝኽልክል ብGልፂ ኣቀሚጡዎ እዩ ። ብሙዃኑ ሩስያ ሓድነታዊ ግዝኣት ዩክሬይን ብምጥሓስ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንዓለም ለኸ ሕግታት ብግልፂ ጥሒሳ ኢሎም ።ብተወሳኺ ብፍላይ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ክራሚያ ታታር ፤ ሩስታ ትፍፅሞ ዘላ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ፣ኮነተባሂሉ ፖለቲካዊ መበገሲ ሽፋን ዝተዋህቦም ክስታት ሓዊሱ ካልኦት ምንግልታዓትን ዝሓወሰ ጥቅ፟ዓት ኮኒኖም "ሩስያ ንዓለም ለኸ ግቡእ ሕግታት ከተኽብር ፣ ዓለም ለኸ ተዓዘብቲ ናብቲ ኸባቢ ኣትዮም ክምርምሩን ነቶም ብዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ዝሳቀ፟ዩ ዘለዉ እሱራት ኩሎም ክፍትሑን " ክብሉ ፅሒፎም ።

ጉጅለ 7 ኙክሬይን ኣመልኪቱ ዝለዓሉ መድረኻት ከምዝሕግዝ ብምግላፅ ንወራርን ምቁፅፃርን ሩስያ ኣብ ክራሚያን ብሙኹናን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ግዝኣታት ብምትእኽኻብ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ክራሚያን ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ጥቅ፟ዓት ሰብኣዊ መሰላት ብሙኹናን ተበግስኡ ብምርአይ ንመፃኢ'ውን ነዞም ፀገማት ንምፍታሕን ፍትሒ ንምዕሳልን ከምዝሰርሑ ሓቢሮም ።

እቶም ሚኒስትራት ወፃኢ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘይምርግጋኣት ብምፍጣር ብፍላይ ኣብ ዱኔጽክን ሉሃንሳክን ዝበሉ ከባቢታት ጥቅ፟ዓት ምፍፃም ቀፂላትሉ ከምዘላ ተዛሪቦም ።

" ሙሉእ ብሙሉእ ስምምዕነት ሚኒስክ ክትግበር ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ዘዐውት መንገዲ እዩ" ኢሎም ።

እቲ ጎንፂ ንምፍታሕ ዲፕሎማሲያዊ መገዲታት ብምስዓብ ብኖርማኒዲያዊ ቅርፂ ነቲ ዘይምስምማዓት ንምህዳእ ፈረንሳይን ጀርመንን ንዝገበርዎ ፃዕሪ ንኢዶም ።

ጉጅለ 7 ክልከላታት ንምንባር ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዳለዉን ከምኡ'ውን ኣብ ጎኒ ዩክሬይን ጠጠው ብምባል ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዘለዎም ሏአላዊነታዊ ናፅነታን ዶብ ሓድነታዊ ግዝኣታን ንምኽባር ሓገዞም ከምዘሕይሉ ኣረጋጊፆም ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ የካቲት 2014 ንወራር ሩስያ ኣመልኪቶም ጉጅለ 7 ኣብቲ እዋን ዝፀሓፍዎ "ክራሚያ ናይ ዩክሬይን እያ" ምባሎም ኣዘኻኺሮም ።

XS
SM
MD
LG