Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ: ሕውየት ካብ ክልተ ተኸታተልቲ ከበድቲ ዓመታት


ዓለም ለበዳ ኮቪድ ፡19 ብዘኸተሎ ዕፅዋን ማሕበራዊ ክልከላታትን ከምኡእውን ንዕዑ ስዒቡ ብዘጋነፈ ቁጠባዊ ቅልውላው ንኽልተ ዓመት ተሳቅ፟ያ እያ። ምስ ኮቪድ 19ተተሓሒዙ ብዘጋጠመ 40% ሞት፣ እቲ ለበዳ ብዘስዓቦ ቁጠባዊን ማሕበራዊን መዘዛቱ ካብ ንሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ንላዕሊ ዝሃሰዮ የለን። ካብ ምግዳድ ድኽነት ስጋብ ንብዙሓት መናእሰይ ስራሕ ኣልቦ ዝገበረ ነይሩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን።

እእእዚ ፊትንፊት ዝመፀ ንፋስ ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሑ ፈተናታት ንዕድል ዘይምርካብ ሓዊሱ፣ እናተጋደደ ዝመፀ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ስእነት ፀጥታ፣ ዓመፃትን መጠነ ሰፊሕ ግዝይናን ስዒቡ ዝመፀ ብድሆ እዩ።እእ

ንሶም ወሲኾም እህዝቢ እቲ ኸባቢ መዓልታዊ ነዞም ፈተናታት ምትእንጋድ ክኸውን ከሎ ናብርኡ፣ ዝያዳ ነዚኦም ክአልየሉ ዝኽእል ውፅኢታዊ ምምሕዳር ክመፀሉ ይደሊ ኢሎም

እእነዚ ኸኣ እዩ ትካላት መንግስትን ውልቀን ኣሜሪካ ዝያዳ ካልእ ሃገር መዋእለ ነዋዮም ብምውፋር ኣብ መላእ ዓለም ቁጠባዊ ዕድላት ኣብ ዝሰፍሕሉ ኣገባባት ምስረሖም ቀፂሎምሉ ዝርከቡ። ንኣብነት ፲ ቢልየን ዶላር ካብቲ ትካል ልምዓት ገንዘብ ኣሜሪካ ብትሑት ወለድ ንደቂ ኣንስትዮ ፈጠርቲ ስራሕ ንዘለቅሑ ፕሮጀክትታት ዘከፋፍሎ ስጋብ ፩።፫ ትሪሊየን ዶላር፤ ኣሜሪካ ዓመታዊ ንሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ብቀ፟ጥታ እጥቦ ወፍሪ ኣብ ደገ እትገብሮ ኢንቨስትመት ምጥቃስ ይከኣል።እእ

እእህዝቢ ላቲን ኣሜሪካ ዝገጠሞም ፈተናታት ኣብ መንግስቶምን ትካላቶምን ክተኣማመኑ ብዘይምኽኣሎም እዩእ ዝበላ ድማ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ኬሪ ሃነን እየን። እዚ ማለት ምምሕዳር ዴሞክራስያውያን ላቲን ኣሜሪካ ንህዝቦም ህላወኦም ከርእይዎም ይግባእ።

ዋላእኳ ካልኦት አብ ፕሮጀክትታት ዝተዋፈራ ሃገራት እንተሃለዋእውን ኣሜሪካ ኣብቲ ኸባቢ እታ ዝዓበየት ኢንቨስት እትገብር ሃገር እያ ኢለን ሃነን። እ ነቲ ህዝቢ ዘገልግሉ ኢንቨስትመንታት ምስራሕ ወሳኒ ጉዳይእኳ እንተኾነ ነቲ ወፍሪ ኢንቨስትመንት ስዒቡ ዝመፅእ ዕዳ ድማ ምስትብሓልን ምጥንቃቅ፟ን የድሊእ ይብላ።

እእ ከምቲ ትፈልጥዎ ኣብ ሓደ ፕሮጀእክት ንምስራሕ ክትፍርሙ ከለኹም ምስኡ ዝተተሓሓዙ ሰንሰለታት ዕዳ ኣለዉ። ስጋብ እቲ ድልድል ሃኒፅካ ትውደኦ እግርካ ዝልብልብ ሓዊ ኣሎ። ብርግፀ ፍትሓውን ሚዛናውን መፃወቲ ሜዳእኳ ኣይኮነን እእ

ኣብ እቲ ዞባ ምስ ዝርከባ መሻርክትናን መሓዙትና ኣብ እንሰርሓሉ እዋን ግልፅነቶም ከርኢ ዝኽእል መሳርሕታት ምህላዎም ኣብ ምርግጋፅ እንገብሮ ፃዕሪ ኣብ ዝኾነ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ኮነ ወይውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝስርሑ ካልኦት ኣገልግሎታት ፍትሓዊ ክኾኑ እዩ ፃዕርና ከምኡእውን ዓለም ለኸ መለክዕታት ከባቢያዊ ኣየርን ሓይሊ ሰብን ክኽተሉእእ ኢለን ምኽትል ጉዳያት ወፃኢ ሃነን።

"በዚ መገዲ ኢና መንግስታት ንህዝቦም ብዝሐሸ ኣገባብ ምግልጋሎም ክቅ፟ፅሉ ንሕግዞም።"

XS
SM
MD
LG