Accessibility links

Breaking News

ኣሜሪካ: ንውድብ ጥዕና ዓለም ዳግማይ ክትጽንበር'ያ


ዩናይትድ ስቴትስ ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይና ክትቅፅል እያ ። ኣብ ብዓለ ስምየቶም ቃለመሓላ ምስፈፀሙ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ብዙሕ ከይፅንሑ እዮም ነቲ ፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ወሲኖሞ ዝነበሩ ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ኣባል ትካል ጥዕና ዓለም ዘግለለ ውሳነ ብምልዓል ኣባልነታ ዘቀ፟ፅል ሰነድ ዝፈረሙ ።

ምኽትል ፕሬዝዳን ካምላ ሃሪስ ምስ ዳይሬክተር ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ብስልኪ ኣብ ዝገበረኦ ዘተ ዩናይትድ ስቴትስ ብዛዕባ ኣባል ኮይና እትቅፅለሉን ብገንዘብ እቲገብሮ ሓገዝ ምጥንኻርን ፤ ኣብ ምምዕባልን ምምሕያሻትን ትካል ጥዕና ዓለም ሃናፃይ ሓሳባት ብምቅ፟ራብ እትሰርሕ መሓዛ ክትከውን ከምትደሊ ኣዋጊዐንኦም እየን ። እተን ምኽትል ፕሬዝዳን ወሲኸን ንሰንን ፕሬዝዳንት ጆ ባይደንን ትካል ጥዕና ዓለም ኮቪድ 19 ኣብ ምክልኻልን ለበዳ ንምቁፅፃርን ክህሉ ዝግባእ ቅድመ ድልውነት ዝተመሓየሸ ጥዕና ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም ከምዝኣምኑ ኣረጋጊፀናሎም እየን ።

ኣብ መበል 148 ኣኬባ ስራሕ ኣፈፀምቲ ቦርድ ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ኣንቶኒዮ ፋውቺ ንሓዱሽ ሉኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ መሪሖም ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም እዮም ። ኣብቲ እዋን ኣብዘስምዕዎ ዘረባ "ነዚ ለበዳ ንምክልኻል ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክኽተሎ ዝግባእ ቅደም ሰዓብ ጥዕና ብምምራሕ ትካል ጥዕና ዓለም ንዘበርከቶ ግደ ብሽመይን ብሽም መሳርሕተይን ከመስግን ይፈይቱ " ምስበሉ "ምምሕዳር ባይደን 'ውን ኣብ ምቅስቃ፟ሳት ዓለም ለኸ ጥዕና ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ምስታፍ ብተወሳኺ ደሕንነት ዓለም ለኸ ጥዕናን ኣጀንዳታቱን ብምድጋፍ ንኹሉ ሰብ ዝኸውን ጥዑይ መፃኢ ኣብ ምፍጣር ክሳተፍ ይደሊ " ኢሎም እዮም ።

ዶ/ር ፋውቺ ምምሕዳር ባይደን ናብ COVAX ክፅምበር ትልሚ ከምዘለዎን ኣብ መላእ ዓለም ክታበት ኮቪድ 19 ንምምዕባልን ንምዝርጋሕን ኣመልኪቱ ንዝህሉ ኩለመዳያዊ ፃዕርታቱ ንምጥንኻርን ንምሕጋዝን ትልምታት ከምዘለዎ ተዛሪቦም እዮም ። ዕላማ COVAX ምዕባለን ምርትን ክታበታት ኮቪድ 19 ምቅልጣፍን ኣብ ዓለም ዝርከባ ኩለን ሃገራት ፍትሓውን ማዕረ ተበፃሕነትን ክሕልወን ምግባር እዩ።

ዳይሬክተር ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ "ሎሚ ንትካል ጥዕና ዓለም ኮነ ንጥዕና ዓለም ፅቡቅ፟ መዓልቲ እዩ።" ክብሉ ኣብ ትዊተሮም ፅሒፎም እዮም ። "ትካል ጥዕና ዓለም ንሃገራት ዓለም ከም ስድራ ዝጠርነፈ 'ዩ ። ብሙዃኑ ዩናይትድ ስቴትስ 'ውን ንስድራኣ ከምዘይትሓድግ ምስምማዕና ኩላትና ደስ ኢሉና እዩ።" ክብ ሉ'ውን ወሲኾምሉ እዮም ኣብ ትዊተሮም።

XS
SM
MD
LG