Accessibility links

Breaking News

ዓለምለኸ መዓልቲ መግቢ


16 ጥቅምቲ መዓልቲ መግቢ ዓለም እዩ ። ኣንፃር ጥምየት ቃልሲ ናብ ተግባር ዝተቀየረላ ዕለት ። እዛዕለት ኣብ 1945 ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምምስራት ትካል መግብን ሕርሻን ወይ ድማ ፋኦ (FAO) ዝተጋህደላ እያ ። ምምስራት እዚ ትካል ጥምየትን ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግብን ኣብ ዓለም ዘብፀሖ ሳዕቤን ዝተርፈሉ መገዲ ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለም እዩ ።

ከም ፀብፃብ ትካል መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ሰለስተ ሰባት ወይድማ 2.37 ቢልየን ሰባት ኣብ 2020 እኹል መግቢ ብዘይምርካቦም ንሓደጋ ጥምየት ተሳጢሖም ። እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዳርጋ ብ23 ሚልየን ሰባት ወሰኽ ኣርእዩ ።

ፕረዝዳንት ጆ ባይደን 16 መስከረም ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “ ኣሜሪካ ነዚ ክትሕግዝ ቅርብቲ እያ ኢሎም ።”

“ ኣብ ዓለም ካብ ሰለስተ ሰባት እቲ ሓደ እኹል መግቢ ክረክብ ኣብ ዝፅገመሉ እዚ እዋን ኣሜሪካ መሻርኽትትታታ ብምትሕብባር ብቅ፟ልጡፍ ሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ክኣልይሉ ዘኽእሎምን ንመፃኢ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ዓለም ንምምጋብ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከመትገብር ቃል ትኣቱ ። መስዚ ተተሓሒዙ ድማ ዩናይትድ ስቴጽ ጥምየት ንምእላይን ስርዓት ኣመጋግባ ዝምልከት ኣብ ሃገርን ካብ ህገር ወፃእን ኢንቨስት ንምግባር 10 ቢልየን ዶላር ንምሃብ ቃል ታአቱ ። ”

እዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኢንቨስትመንት ብሓደስቲ ሜላ ተሓጊዙ ምውርራስ ስርዓት ኣመጋግባ ንኽህሉ ይገብር ። ዝተመሓየሸ መሰረተ ልምዓት ንቀ፟ረባት መግብን ኩለመዳያዊ ዕድላት ዕዳጋን ፣ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቀዳምነት ዥብ መደባት ኣመጋግባ ዘመሓይሽ ፣ ብኽነት መግቢ ምቅ፟ናስ፣ ከምኡእውን ኣብ ሃገርናን ዓለምናን ምምሕያሽ ከባቢያዊ ለውጢ ኣየር ንኽመፀእ ዝግበሩ ፃዕርታት ምድጋፍን ክንለምዶምን ይግባእ ። “ ለውጢ ኸባቢ ኣየር ፣ ዘላቂ፟ ስርዓተ ኣመጋግባ ከምኡእውን ውሕሰና መግቢ ዓለምን ከይዲ ኣመጋግባን ንምፍታሕ ሳይንሳዊ መሰረት ዘለዎም ፖሊሲታት ንምትግባር ዱሉዋት ኢና ።” ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛሪቦም ።

“ ጥምየት ንምቅ፟ናስ ኢንቨስት ምግባርና ኣገዳሲ ኢዩ ። ኣብ ምምሕያሽ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዥልዉ ብሉፃት ዝበሃሉ ልምዓት ሕርሻ ምግፋሕ ፣ ልዕሊ ፵ % ተስትፎ ሕርሻ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማዕረ ወናንነት መሬትን ጥሪትን ፣ፍትሓዊ ልቃሕን ኣታውን ኣብ ምርካብን ውሳነ ኣብ ምሃብን ዓብዪ መድልዎ ይፍፀመንእዩ ። ኣብቲ ስራሕ ብቀንዱ ዝዋፈሩ ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ዘይክበር እንተኾይኑ ኸኣ እቲ ክመፅእ ዝድለ ለውጢ ስርዓተ መግቢ ዓለም ብሙሉእ ዓቅ፟ሙ ክትግበር ኣይክእልን ።”

ኣሜሪካ ኢሎም ፕሬዝዳንት ባይደን “ ብሚልዮናት ንዝቁ፟ፀሩ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ሰባት መግቢ ፣ ማይ ፣ መፅለሊ ፣ ህፁፅ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣድላዪ ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ብምቅ፟ራብ ንሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ዝዓበየ ኣስተዋፅኦ ምግባራ ክትቅፅል እያ ።” ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG