Accessibility links

Breaking News

ደገፍ ንሰላም የመን


ኣሜሪካ ኣብ የመን ንህዝቢ ካብ እትገብሮ ሰብኣዊ ሓገዛት ብተወሳኺ አብቲ ኲናት ንኹሉ ዘማእከለ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንኽመፅእ ንደቂ ኣንስትዮ ፣ መራሕቲ ማሕበረሰባት ሲቪልን ካልኦት ዝተገለሉ ጉጅለታትን ዝሓወሰ ጭቡጥ መረዳእታዊ እታወት ንምንዳይ እትገብሮ ፃዕሪ ቀፂላትሉ ትርከብ ። “ ብፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሃንስ ግሩንበርግ ኣቢሉ ዝካይድ ዘሎ ንኹሉ ዝሓወሰ ዘተ ንድግፎ ኢና ፤ እዚ ድማ ሓዱሽ ሓፋሻዊ ከይዲ ሰላም ሕቡራት መንግስታት ከላሊ እዮ ። ኩሎም ተሳተፍቲ ወገናት ድማ ኣብቲ ዘተ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳተፉ ንፅውዕ ፣ ።” ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ መግለፂኦም ተዛሪቦም ።

ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድ ብወገነን እቲ ከይዲ ሰላም ክሳኻዕ እንተኾይኑ ናይ ግድን “ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘለዉ ኣረኣእያታትን ቅረታታትን የመናውያን ዘእማእኸለን ከምኡእውን ፍትሕን ተሓታትነትን ዝሓወሰ ክኸውን ከምዝግባእ” ኣተሓሳሲበን ።

አሜሪካ ውሳነ ሓሳብ ቤት ምክሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት 2624 ዝተቀ፟በለቶ ኮይና እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ የመን ዝተነብረ ክልከላ ኣፅዋር ብዝምልከት ኣባል ሃገራት ዘለወን ግቡእ ዘዘኻኽርን ከምኡእውን ኣብልዕሊ ሰላም እታሃገር ንዝዘርጉ ክልከላ ጉዕዞን ሃብትታቶም ንኸይንቀሳቀ፟ስ ዝተነብረ ማዕቀብ ንኽሕደስ ፤ ብፍላይ ካብ ኢራን ናብ ሁቲ ዝውሕዝ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣፅዋራት ብቅ፟ልጡፍ ጠጠው ክብል ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባር እዩ ። እዞም ዘይሕጋውያን ኣፅዋራት ኲናት እታሃገር ኣብ ምጉህሃር ፣ ከባቢታት ምሕማስን ስቃ፟ይ የመናውያን ኣብ ምግዳድ ዝለዓለ ግደ ከምዘለዎም ኣምባሳደር ቶማስ ግሪንፊልድ ተዛሪበን ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቀረባ ዝወፀ ሓበሬታ ውሕስና መግቢ ከምዘረእዩ የመን ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለት ቅልውላው ሰብኣዊ ሓገዛት ዝተርኣየላ ሃገር ሙዃና እዩ ። እቲ ዘድሊ ህፁፅ ሓገዝ ምንዕዋት ኣሜሪካ 16 መጋቢት ዕላዊ ከምዝገበረቶ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየመን እትገብሮ ሰብኣዊ ምትሕብባራት ብተወሳኺ ከባቢ 585 ሚልየን ዶላር ሓገዝ ብምግባር ስጋብ ሎሚ ኣሜሪካ ንየመን ዝገብረቶ ኣበርክቶ እቲ ዝዓበየ ይገብሮ። ነዚ ሓዊሱ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣቢሉ ቅልውላው የመን ካብ ዝጅመር ንነዘ ብሓፈሻ ኣሜሪካ ዝገበረቶ ሓገዝ 4.5 ቢልየን ዶላር በፂሑ ይርከብ ። ካብቲ ንየመን ዘድሊ ሓፈሻዊ መጠን ህፁፅ ሓገዝ አብቲ 16 መጋቢት ዝተረኽበ 30 % ጥራሕ ብሙዃኑ ብፍላይ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከባ ለገስቲ ሓገራት ኣብ የመን ዝበፅሕ ዘሎ ሰብኣዊ ስቃ፟ይ ንምቅ፟ናስ ኣስተዋፅኦ ክገብራ ኣሜሪካ ፀዊዓ ።

እዚ ሓገዝ ህይወት ሰባት ንምድሓንን ስቃ፟ዮም ንቅ፟ላልን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር ነቶም ዝያዳ ዘድልዮም ሰባት ምብፅሑ ክረጋገፅ ይግባእ ። ኢሎም ብሊንከን ። “ ሎሚእውን ደጊምና ኩሎም ወገናት ሓገዛት ረዲኤት ናብ ተሓገዝቲ ንኽባፃሕ ኣብ መስርሓት ሓገዝ ኢድ ካብ መእታው ክቁ፟ጠቡ ንፅውዕ እእ

ሰብኣዊ ሓገዝ ንበይኑ መሰረታዊ ፀገማት እቲ ቅልውላው ክፈትሕ ኣይኸእልን ፤ ኩሎም ተሳተፍቲ እዚ ጎንፂ ናይ ግድን ተፅብኦታቶም ጠጠው ኣቢሎም ንህዝቢ የመን ክበሃል ዘላቅ፟ን ንኹሉ ዘማእከለን ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናድዩ ይግባእ ።

XS
SM
MD
LG