Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ መንግስቲ ኣሜሪካ


ኣሎይስ ኢንደምባቲ ኣብ ሪፓብሊክ ሩዋንዳ ሓላፊ ምምሕዳር ከተማ ዝነበረን ኣብ1994 ብዝተኻየደ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኩናት ሕድሕድ ብዝነበሮ እጃም ተሓታታይ ብምኻኑ ናብ ሕጊ ክቀ፟ርብ ይድለ ኣሎ ክብል እቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሓተታኡ ይጅምር።

ኢንደምባቲ ነቲ መድለይኡ ቀንዲ መበገሲ ኣብ ምምሕዳር ኩብየ ከንቲባ ጊስቩ ኣብዝነበረሉ እዋን ነቲ ናዕቢ ፈሪሖም ናብ ጎቦ ቤሴሴርሆ ይሃድሙ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ብሃገራውን ከባቢያውን ፖሊሳት ክህደኑ ትእዛዝ ብምትሕልላፉን ኣብቲ ንኸባቢ 100 መዓልታት ዝተኻየደ ጨፍጫፍ ብዓሰርተ ኣሻሓት ዝቁ፟ጸሩ ንሞትን ብዙሓት ድማ ንምጉዳእቲ ኣካል ኣሳጢሑ እዩ ዝብል እዩ።

ነዚኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ ገባናት ዝምርምር ኣብዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንናይ ሩዋንዳ ዝከታተል ወይ ድማ ብናይ ሎሚ ሽሙ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ፍታሕ ወሃቢ ፍጻመታት ገበን ኢንደምባቲ ብዘርኢ ምጥፋእን ገበናት ውግእን ተሓታታይ ብምኻኑ ተኣሲሩ ናብ ሕጊ ክቀ፟ርብ ኣዚዙ ይብል።

እቲ ርእሰዓንቀጽ ኣስዒቡ ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዝተፈላለዩ ኣመሓደርቲ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዐለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታትን ብምትሕብባር ኢንደምበቲን ዝኣምሰሉን ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዐል ፍርዶም ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ይሕብር ።

እዚ ንምስኻዕ ድማ ዩናይትድ ስቴትስ ኢንደምባቲ ንዝረኣየ ሓበሬታ ንዝሃበን ስጋብ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከምእትኸፍል እቲ ርእሰ ዐንቀጽ ይሕትት ።

ባዕልኹም ወይውን እትፈልጥዎ ሰብ ንምንቅስቃ፟ስ ኣሎይ ኢንደምበቲ ወይውን ንዝነብረሉ ኸባቢ ዝፈልጥ በዞምዝስዕቡ መንገዲታት ሓበሬታ ክህብ ይላቦ።

ኣብጥቃ፟ኹን ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ወይ ውን ቆንስላ ዩናይትድ ስቴትስ መርበብ ሓበሬታ ተጠቂምኩም ንዞባዊ ፀጥታ እቲ ኸባቢምርካብ ከም እትኽሉ። ከማኡ'ውን U.S war crimes rewards program at WCRP@stat.gov

ወይድማ ብ whatsAPP ቁፅሪ +1 202—975-5468፤ ኣብ ገፅ face book face book www.facebook .com war crime Rward program]

Aab twitter .com war criems rewards }

ምስልታት ፎዮግራፍ እቲ ተደላይይ ገበነኛ ምርኣይ ትኽእሉ ።ኣብኩሎም ዝተረኽቡ ሓበሬታታት ምርመራ ዝካየድ እንትኾን መንነት ውሓብቲ ሓበሬታ ብጥንቃቅ ከምዝተሓዝ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG