Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ሕዳር 30,2020


11/30/2020

Editorial

ቅድሚ 6 ዓመት ዓለም ለኽ ትካል ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ድኽነት ንምጥፋእ ዝሕግዝ ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ዝካየደሉ ብቴክኖሎጂ፣ ውፂኢታት ፈጠራን ሓገዛትን መሓዙትን ማእከል ዝገበረ ዓለምለኸ ማእከል ምርምር ልምዓት ምጅማሩ ብምዝኽኻር 'ዩ እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ሓተትኡ ዝጀመረ ።

“እቲ ማእከል ምርምር ነቶም ፕሮግራማት ዘተግብር ዘይኮነስ ንትግባረኦም ዝሕግዙ ዝበለፁ መንገድታት ዘተኣላልሽ ፣ ብዝበለፀ ውፅኢታዊን ተኣማንን ዝኾኑ መፅናዕትታት ብምቅ፟ራብ ንኣሜሪካውያን ግብሪ ከፈልቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም 'ውን ዝሕግ 'ዩ ክብሉ ኣፈፃሚ ስራሕ ቢሮ ዓለም ለኽ ልምዓታዊ ምርምር ሃሪ ባደር ይዛረቡ ።

“ኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት USAIDን ዓለምለኸ መሓዙትናን ብምጥማር ናብ ሳይንሳዊ ምርምርን ፈጠራን ቴክኖሎጂ ብምሕዋስ ኣብ ኩለመዳይ ዕላማታት ከም ሓበሬታት ለበዳን ካልኦት ሕማማትን ኣብ ምብፃሕ ፣ ድኽነትን ተበፃሕነት ትምህርትን ኣብ ምሕባርን ኣብ መላእ ዓለም ዴሞክራሲ ብምስፋሕን ምክእኣል ብምንጋስን ዓቅ፟ሚ ሰባት ኣብ ምዕባይ ዝሰርሕ'ዩ እዩ እዮም ዝበሉ ።''

ንሶም ወሲኾም እቲ ማእከል ምርምር ንኹሎም ትካላት USAID ማእከል ሓዱሽ ፈጠራ ኮይኑ ዘገልግል እዩ ይብሉ ።

“ኣብ ሳይንሳዊ መፅናዕታዊ ጠመተ ዝገበረ ምስ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዩንቨርሲቲታት ብምጥማር ዝካየድ ምርምር 'ዩ ።”

ይርደኣና እዩ ትካልና ንበይኑ ንኹሎም ኣብ ሰባአዊነትን ልምዓትን ጠሚቶም ንዝለዓሉ ሕቶታት መልሲ ከምዘይህልወና ዝፍለጥ'ዩ ይኹን'ምበር ኩሎም እቶም ዝለዓሉ ሕቶታት ብምስማዕ መስቶም ዩኒቨርስታት ብሙዃን መፅናዕቲ ክግበረሎምን ኢና ንሰርሕ ክብሉ ተዛሪቦም 'ዮም ።

“ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሳይንስ ዝሰርሑ ኣሜሪካዊያን ተመራመርቲ ንዓለም ለኸ ምርምሮም ብምሕጋዝ ዓቅ፟ሞም ኣዕብዮም ማዕረ እጃሞም ከበርክቱ ብምሕጋዝ ዓቅ፟ሞም ኣዕብዮም ማዕረ እጃቦም ክሕግዙ ክንገብር ኢና ።”

ኣብ መወዳእታ ድማ Development Innovation Ventures ወይድማ ንመፅናዕታዊ ምርምራትን ሓደስቲ ፈጠራታት ዝሕግዝ ዝብል መለለዪ ተዋሂቡዎ ይርከብ ኢሎም 'ዮም ባደር ።

“ኩለ መዳይ መስርሕ ዘለዎ 'ዩ ብዝኾነ ሰብ ፣ ኣብ ዝኾነ ርእሰ ጉዳይ ካብ ዝኾነ ከባቢ ዓለም ኣብ ዝኾነ ስዓት ጠቀ፟ምቲ ዝብልዎም ሓሳባቶም ከቅ፟ርቡሉ ዝኽዕሉ'ዩ። ብድሕሪ'ዚ እቲ ማእኸል ምርምር ድማ ምስኦም ሓቢሩ ይሰርሕ። መረጋፅታት ምሰረት ዝገበረ ኾይኑ ነቲ ዝግበር ኣፈፃፅማ ክፍሊት ዘለዎ ኾይኑ ዝያዳ ግን ዓቅ፟ሚ ዘዕብን ዓቅ፟ሚ ዘዕብን ሰፊሕ ርክባት ምሕዝነት ንምፍጣር ዝሕግዝ መርበብ 'ዩ ። ብሙኳኑ ኣብ ዓዶም ብዛዕባ ዘሎ ዕብየት ወይ'ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ።”

ምዕቡላት ዝኾኑ ንምክትታል ዝሕግዙና ድጅታል መሳርሕታት ፣ ኣርቴፍሻል ኢንተልጀንሲ ፣ ሓደስቲ ምርምራዊ ስልትታትን ከይዲ ኣቀራርባንዘለዉና ኾይኖም ሰንሰለታዊ ናይ ሚሽጥር መሻርፋት ዝዓፀወ እዩ ክብሉ ዝያዳ እቲ ዓለም ለኸ ተራድኦ ብሉፅ ፣ ብዝተሓተ ወፃኢ ዝስራሕን ቀልጢፉ ዝፍፀምን ክኸውን ይፅዕሩ ከምዘለዉ ወሲኾም ሓቢሮም እዮም ባደር ክብል እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ሓተትኡ ዛዚሙ እዩ ።

XS
SM
MD
LG