Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስት ኣሜሪካ - ሓድሽ ፕረዚደንት ሓድሽ ዘመን


ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ባንዴራታት ንነፋስ ክረምቲ ስዒቦም ይምብልበሉ ። ጆሴፍ ሮቢኔት ባይደን ጁንየር ድማ ጥሪ 20/2021 መበል 46 ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴስ ኮይኖም ኣብ ኣፍደገ ካፒቶል ዝርከቡ ደረጃታት ቃለመሓላ ፈፂሞም እዮም ።

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ በዓለ ስምየቶም ዘስምዕዎ መደረ ኩሉ ኣሜሪካዊ ሃገሩ ገጢሙዋ ንዝርከብ ፈተናታት ንምሽናፍን መፃኢ ደሕንነታ ንምውሓስን ሓድነቱም ከጠናኽር ፀዊዖም እዮም ።

" ታሪኽ፣ እምነትን ምኽንያትን መንገዲ ሓድነት ዘርእዩ እዮም ። ነንሕድሕድና ሓልዮትን ምክብባርን ዝተመልኦ ርክብ ብምፍጣር ነዚ ዘሎ ናዕቢ ጠጠው ምባልን ዋዒኡ ምዝሓልን ንኽእል ኢና ። እዚ ታሪኻዊ ቅልውላው ዘመንናን ፈተናን ብሓድነትና ኢና ንሰግሮ ። "

ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ወፃኢ ንዝኾኑ 'ውን ፕሬዝዳንት ባይደን መልእኽቲ ኣሕሊፎም እዮም።

"ምስ ፈተውትና ምሕዝነትና ኣተዓራሪና ዳግም ናብ ዓለም ክንፅምበር ኢና ።ፀገማት ትማሊ ንምዕዋት ዘይኮነስ ሎምን ፅባሕን ንምግሃድ እዩ። ብዘለና ሓይሊ ኣብነት እንኾነሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣብነታዊነትና 'ውን እንፈጥሮ ሓይሊ እዩ መራሕቲ እንኸውን ። መእንተ ንሰላም ፣ ዕብየትን ደሕንነትን ክበሃል ፅኑዓትን ተኣመንትን መሻርኽቲ ክንከውን ኢና ።"

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ዕለት ድሕሪቲ ስነ ስርዓት ብዓለ ስምየት ፕሬዝዳንት ባይደን ብርክት ዝበሉ ተፈፀምቲ ሰነዳት ፈሪሞም'ዮም ። ሓደ ካብኣቶም ዩናይትድ ስቴትስ ዳግም ናብ ውዕሊ ከባቢ ኣየር ፓሪስ ንምፅምባር ዘኽእላ ፈላማይ ሰነድ 'ዩ ። ካልእ ዩናይትድ ስቴትስ ኣባል ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይና ንምቅ፟ፃል ፣ከምኡ'ውን በዝሒ ሰዓብቲ እስልምና ካብዝርከቡለን ዝተፈላለያ ሃገራት ፣ ካብ ኣፍሪካን ካልኦትን ዜጋታተን ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ንኸይኣትዉ እገዳ ጉዕዞ ዝተገብረለን ሃገራት እገዳኣን ንኽለዓልን ፣ ኣብ ዶብ ዩናይትድ ስቴትስን ሜክሲኮን ዝስራሕ ዘሎ መንደቅ፟ ንግዚኡ ጠጠው ኢሉ ሓገዝ ገንዘብ ክገብረሉ ዝፀንሐ ህፁፅ ናይ ግዘ ኣዋጅ ንኸብቅዕን ዝብሉ ሰነዳት ፈሪሞም 'ዮም።

ፕሬዝዳንት ባይደን ኣብ በዓለ ስምየቶም ንሕዝቢ ኣሜሪካ "ከምብሓዱሽ ንጀምር" ክብሉ ፃውዒት ኣቅ፟ሪቦም'ዮም ። ኣብ ክንዲ ፍርሒ ሓዱሽ ታሪኽ ተስፋ ኣሜሪካውያን ክፅሕፉ ፣ናይ ምፍልላይ ዘይኮነስ ሓድነትና ዘርኢ፣ ታሪኽና ዘዘንቱ ናፅነታ ዘውሐሰት ኣሜሪካ ንዓለም 'ውን ብርሃን ኮይና ዳግም ጠጠው ዝበለት ሃገር ሙዃና ዘርኢ ዘመን ዝሳገር ታሪኽ ንምፅሓፍ ክንሓስብ ይግባእ ክብሉ ንህዝቢ ኣለዓዒሎሞ 'ዮም ።

XS
SM
MD
LG