Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ፡ ምምዕዛን ዝምድና ሃገራት


ናይ ሎምዘበን ጥምረት ናፅነት ኦንላይን ብኣሜሪካ ኣቦ መንበርነት ዝተመርሐ ኮይኑ ብፍላይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢንተርኔትን ድጅታላዊ መሳርሕታትን ዝኽበረሉ ኣገባብ ኣብ ምስጓምን ምድጋፍን ዝተግሃ ጉጅለ ሃገራት ዝተኣኻኸባሉ ኮይኑ ተራእዩ እዩ። እቲ ጉጅለ ኣብ መሰረታዊ መምርሕታት ኢንተርኔት ዘድሃበ “ኢንተርኔት ርክባት ዝምዕብለሉ ዓብዪ መድረኽ ኮይኑ ሰባት መሰላቶም ናይ ምጥቃም ዓቅ፟ሞም ዘስፍሕሉ ባይታን ከምኡ'ውን ንቢልዮናት ብዘይከልካሊ ፍልጠትን ሓደሽቲ ዕድላትን ዝረኽብሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም”ኢለን ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዌንዲ ሼርማን። “ይኹን'ምበር ነቶም መዐቀንታት ምምላእ ግን ቀሊል ኣይኮነን” ይብላ።

ዴሞክራሳውያን ምምሕዳራት ልቀሰባት ዝያዳ ዓቅ፟ሞም ዘማዕብሉሉ ብራኸ ንምብፃሕ ናይ ኢንተርኔት ዓቅ፟ሚ ክጥቀሙ ባይታ ከናድይሎም ከለዉ ውልቀ መራሕቲ መንግስታት ድማ ነቶም ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ምክፍፋላት ክፍጠርን መሰሎም ክነፍግሉን ይጥቀምሉ እዚ ድማ ከም ሳንሱርን መዐፈኒ መሰላት ጌሮም ይጥቀምሉ ነፃነት ዝግድብሉ ፍርሒ ክፍጠርን ሰብኣዊ ክብሪ ዝግህስሉ ሳርሒ ይገብርዎ ኢንተርኔት ከም መርበብ ዕብየት ዘይኮነስ መቐየዲ መንገዲ ገይሮም ይርእይዎ

ምኽትል ሚኒስተር ዌንዲ ሼርማን ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ምድላው ጥምረት ናፅነት ኢንተርኔት ( Online) ነቲ ብቅልጡፍ ምዕባለ ዝስጉም ዘሎ ሓዱሽ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዝኾነ ሰብ ሰራሕ ብልሒ (ArtificialIntelligence)ኣመልኪተን ከምዝበለኦ ኣብ ሞንጎ ንህዝባዊ ደሕንነት ተባሂሉ እንጥቀመሉ ቴክኖሎጂን ብሕታዊ ነፃነቶም ኣብ ምሕላው ሚዛናዊ ዝኾነ ምምጥጣን ምእንታን ክህሉ ቀፃላይ ክትትልን ምትዕርራያትን ከምዘድሊ ተዛሪበን። “ብፅሒቶም ናይ ኢንተርኔት ናፅነት ካብ ምርካብ፣ ካብ ሓባራዊ ምዕባለን ዓለም ለኻዊ ዕብየት ዝዛየደ ክኸውን የብሉን” ኢለን።

ምኽንያቱ መራኸብታት ምስፋሕክልተ ቢልየን ኾኑ ናይ ኢንተርኔት ተበፃሕነት ዘይብሎም ሰባት ክረክቡ ምግባር ቁጠባዊ ዕብየት ክምፅእን ኩነታ መነባብሮ ክመሓየሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፍጠሩለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ንምምሕያሽ ዝግበር ቃልሲ ስጋብ ውሕስና መግቢ ኣብ ምቅ፟ናስ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕና ህዝቢ፣ ምዕሳል ሰናይ ምምሕዳር ቀፃልነት ልምዓት ፍታሕ ኮይኑ ዘቀፃፅል ሓደስቲ ምህዞታት ዘተኣታቱ ይኸውን

ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዌንዲ ሼርማን ወሲኸን “እዚ ማለት ኣብዚ ዲጂታላዊ ዘመን ንዴሞክራሲ ዘለና ራእይ ደጊምና ነረጋግፀል ክኸውን ግድን እዩ” ኢለን። ሳይበርስፔስ ነቲ ዓለም ለኻዊ ሕግታት መሰረት ዝገበረ መምርሕታት ዘንፀባርቅ፟፟ ምዃኑ ርግፀኛታት ክንከውንን ቴክኖሎጂ ንምውህሃድ ድማ እዞም ሕግታት ድማ መስቲ ዝምዕብል ዘሎ ቴክኖሎጂ ንምውህሃድ ድልዋት ክንከውን ይግባእ።”

ኢንተርኔትመርበባት ኣድማሳት ኦን ላይን ዝያዳ ንምህዞን ምትሕብባራትን ክፉት ዝኾነሉ ብሉፅ ኩነታት ይርካብ ንሓደሽቲ ምህዞታትን ሓሳባትን ዝጥዕም እዩ ንሓበሬታን ማሕበረሰብን ክትዓትን መደረን ዘይምስምማዓትን ዲፕሎማስን ክፉት ዝኾነ እዩ ኣብ ስርዓት ዴሞክራሲ ምምሕዳር 'ውን ከምኡ ተመሳሳሉ እዩ ማሕበራዊ ስምምዓትን ማሕበረሰባዊ መስርሕ ብድልዱል ግልፅን ኾነ ባይታ ናይ ምምራፅ ናይ ምምኽኻር ናይ ምእካብ ናይ ምስላፍ፣ ምውዳብን ንምጉስጓስን ክፉት እንተተገይሩ ዝበለፀ ማሕበረሰባዊ መስርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ

ኣብ መወዳእታ ወንዲ ሼርማን “ ከብዚ ዝበለፀ ኣገዳሲ ግልፅነት የለን ምኽንያቱ እቲ ድጂታላዊ ዓለም ግልፂ ክኸውን ከሎ፣ ዴሞክራሲ ብትኽክል ክትግበር ከሎ እዩ ሓባራዊ ዓወት ኮይኑ ናይ ኩሉ ኣበርክቶ ዝረአ።”

XS
SM
MD
LG