Accessibility links

Breaking News

ኣብ ሱዳን ጽንተት ዓሌት የንጸላልው


እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብ ሱዳን ዳርፉር ስጋብ 300 ሽሕ ሰባት ዝቐተለ ፅንተታዊ ህልቂት ኣብ ከተማ ኣፋሸር ይፍፀም ብዘሎ መጥቃዕቲ ንኸይድገም ስግኣት ኣሎ ይብላ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ተዛሪበን።

ኣብ ቀረባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝበለኦ “ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኤል ፋሸር ናብ ጫፍ ሰፊሕ ህልቂት ዝበፅሕ ዘሎ ቅልውላው ንምዝታይ ተኣኪቡ” ኢለን።

“እዚ ግምት ኣይኮነን። ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ኤል ፋሸር ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሕዝን ፍፃመ እዩ። ድሮ [ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ] ማለት’ውን RSF፣ መሻርኽቱ ምልሻታትን ካብ ኤል ፋሸር ናብ ኣንፈት ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ዓድታት ምዕናዎም ዝገልፅ ተኣማኒ ፀብፃብ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ታሪኽ ኣብ ዳርፉር ብዝኸፍአ ኣገባብ ንገዛእ ርእሱ ይደግም ኣሎ።”

ኣምባሳደር ቶማስ-ግሪንፊልድ ኣብ ልዕሊ ኤል ፋሸር ዝፍፀም መጥቃዕቲ “ናይ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ” ክኸውን እዩ ኢለን።

“ንሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፣ ካብ መላእ ዳርፉር መዕቆቢ ከናድዩ ዝኣተዉ ኣለዉ፤ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ንኤልፋሸር ከም ገዝኦም ዝርእዩዋ ክልተ ሚልዮን ሱዳንውያን’ውን ኣለዉ።”

እተን ኣምባሳደር ወሲኸን “ኣዝዩ መደነቒ ዝኾነ ቅልውላው ይፍጠር ኣሎ ተወሳኺ ሞትን ዕንወትን ስቓይን ከየስዓበ ከሎ ነዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ነገራት ቀልጢፍካ ምፍፃም የድሊ” ኢለን።

“እቲ ሓደ RSF ኣብ ኤል ፋሸር ዝገበሮ ከበባን ምህናጽ ወተሃደራዊ ሓይልታትን ከብቅዕን ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዝኾነ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ካብ ምሕናይ ክቑጠብን ኣለዎ። ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት ነዚ ንምንካይ ህፁፅ ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክገብሮ ድሮ ፀዊዑ’ኳ እንተነበረ እዚ ግን እኹል ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ሃገር ድምፃ ከተስምዕ ኣለዋ። ሙሉእ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ክዛረብ ኣለዎ።”

ካልኣይ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዕጡቓት ተዋሳእቲ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ከኽብሩን ድሕነት ሲቪላት ክሕልውን ኣለዎም።

ሳልሳይ ኩለን ዞባዊ ሓይልታት ብመሰረት እገዳ ኣፅዋር ሕቡራት ሃገራት ንኽልቲኦም ወገናት ኣፅዋር ምሃብ ደው ከብላ ኣለወን።

ራብዓይ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ናብ ቀጥታዊ ዘተ ክኣትዉ ኣለዎም ምኽንያቱ እዚ ግርጭት ኣብ ዓውደ ውግእ ዝፍታሕ ብዘይምዃኑ።

“ኣብ መወዳእታ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ብዘይዕንቅፋት ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽህሉ ከፍቅዱ ይግባእ።”

“ኣብ ሱዳን ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ ጥምየት ይርከብ፣ ብዓሰርተታት ሚልዮን ዝቑፀሩ ሰባት ድማ ሓገዝ ክበፅሓሎም ብሃንቀውታ ዝፅበዩ እዮም።”

“ህዝቢ ሱዳን ኣብዚ ዝኸፍአ ናይ ሓደጋ እዋን ክንበፅሓሉ ይፅበየና ኣሎ።”

ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ህልቂት ተዓፅዩ ዘሎ ህዝቢ ኤል ፋሸር ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ሓደጋታት ክፈልጥ ይግባእ። ኢለን

ኣምባሳደር ቶማስ-ግሪንፊልድ “ህዝቢ ሱዳን ኣብዚ ናይ ሓደጋ ህሞት ኮይኑ ንኹልና ይፅበ ኣሎ” ኢለን።

XS
SM
MD
LG