Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ- መዓልቲ ሰማእታት ኣመሪካ


ኣሜሪካውያን በብዓመቱ ኣብታ ናይ መወዳእታ ሰኑይ ወርሒ ግንቦት መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት የኽብሩ።

ኣብዛመዓልቲ ኩሎም ኣብ ኣገልግሎት ውትድርና ዝተሳተፉ ደቂ ኣንስትዮ ይኹና ደቂ ተባዕትዮ ምእንተ ሃገሮምን ዕላማታታን ክብሉ መስዋእትነት ንዝኸፈሉ ዝዝከሩላን መስዋእቶም ዝኽበረላን ዕለት እያ።

ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ኢሎም።

“ብዝለዓለ ኽብርን ሞገስን ኣብዚ ፀጥታ ዝዓሰሎ መቃ፟ብራት ኣርሊንግተን ዓሪፎም ዝርከቡ፤ አብ መቃ፟ብራት ኣውሮፓ፣ ኣብ ዓበይቲን ናእሽቱን ከተማታት ሃገርናን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝርከቡ ፍቱዋት ኣሜሪካውያን ኣዋልድን ኣወዳትን ንኹሉ ደፊሮም፣ ኩሉ ዓይነት ሓደጋ ገጢሞም፣ ካብ ህይወቶም ጀሚሩ ኩሉ ዘለዎም ብምሃብ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ነቲ ኣሜሪካ ዝብል ኣምር ንምዕቃብን ንምጥባቅ፟ ክብሉ ክቡር ህይዎቶም ዝበጀውሉ እዩ።”

“ነፍሲወከፍ ወለዶ ኣንፃር ዴሞክራሲ ዝወፍሩ ተፃባእቲ ክቃለሶም ይግባእ። ከምኡ'ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ምእንተ ነታ ንሕናን ንሳቶምን እነኽብራ ክብሉ ደሞም ንምፍሳስ ፍቃ፟ደኛታት ዝኾኑ ጀጋኑ ይውልዱ እዮም።”

“ዴሞክራሲና ከም ሃገር በቶም ኣብ መገድና ዝሰኣናዮም ተቀ፟ዲሱ ዝተዋህበና ዝዓበየ ህያብና እዩ።”

“ንዓዓቶም ንገብሮ ዝኽሪ ጠጠው ኢልና ብምፅላይ ጥራሕ ክኸውን የብሉን፤ ተግባራቶም ንምዕዋት መዓልታዊ ቃልና ነሐድሰሉ፣ ሕብረትና ነተርናዓሉን ነቲ ዝተኸፍለልና ዋጋ እንምጥን ኮይና ምርካብን ተልእኾ ዘመንና እዩ።”

XS
SM
MD
LG