Accessibility links

Breaking News

ኣመሪካ ተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምትልግስ ትገልጽ


ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝዓበየ ሰብኣዊ ሓገዝ እተቕርብ ብሕታዊት ሃገር እያ። “ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ንዓሰርተታት ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ምስ ኢትዮጵያ ንቡር ምሕዝነት ነይሩና እዩ” ይብሉ ኣንቶኒ ብሊንከን።


“ዝያዳ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዝከኣለና ክንሕግዝ ምኽኣልና ንዓና ኣዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ብርግፅ ድማ ሎሚ ክሕብረልኩም ዝደሊ በዚ ሓባራዊ ህፁፅ ናይ ሓደጋ እዋን መደብ ኣቢልና ነቶም ውሕስና ምግቢ ዘድልዮምን ከምኡ’ውን በቲ ሓደጋ ድርቂ ንዝተፀልወ 13 ሚልዮን ህዝቢ ዝሓወሰ ተወሳኺ 331 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክንገብር ሙኻና እዩ።”

“እዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ ሓገዝ ምግቢ ዝጅምር ኮይኑ ካብኡ ንላዕሊ ግን ዝሰፍሐ እዩ። ንናውቲ መሐለዊ ፅርየት ሓዊሱ ንኣፋውስን ማይን ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ድማ ማዓልታዊ ክንቅፅለሉ ኢና” ኢሎም ብሊንከን።


ንሶም ወሲኾም “ ንኣድላይነትን ህፀፅን እዚ ሓገዝ ብምርዳእ ማዕረ ማዕረ ምስ ኣብ ኢትዮያ ዝርከቡ መሻርኽትና ተቐራሪብና ስራሕቶም ንምሕያልን ንምሕጋዝን ድልዋት ኢና”

“ኣብ መወዳእታ ክንገብሮ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት መሓዙት ሃገራት ኣፍሪካን ዝርከብ ዓቕሚ ናይ ነዊሕ እዋን መፍረያይነት ከም ድርቂ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ሕማማትን ዝበሉ ፀገማት ተፃዊሩ ልዑል ሃፍቲ ተፈጥሮን ሰብ ሞያን ብምውዳድ መልሲ ክህብ ከምዝኽእል ስለዝኣምን እየ እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ መልሲ እዩ። ብሙኻኑ ንሕፅረት ምግብ ስዒቡ ምስ ዘድልዩ ህፁፅ ሓገዛትን ወይውን ካልኦት ቅልውላዋት ክድርቱና የብሎምን።

“ኣብዚ ምሕዝነታዊ መስርሕ ህፁፅ ሓገዝ ኣብ ንሰርሓሉ እዋን ኢትዮጵያ ነቲ ዘለዋ ናይ መፍረያይነት ዓቕሚ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ እተማዕብለሉ ብርኪ ስጋብ ትበፅሕ ኣብ ንገብሮም ኢንቨስትመንታት ማዕረ ትኹረት ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም ብሊንከን።

XS
SM
MD
LG