መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ

ቅድም ክብል ኣብ ዩጋንዳ ኣዛዚ ሎርድ ረዚዝታንስ ኣርሚ (LRA) ዝነበረ ኮማንደር ዶሚኒክ ኦንግወን ብገበናት ኲናትን ኣንፃር ሰብኣዊ መሰልን ብዝፈፀሞም ገበናት ኣብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ ።

ኦንግወን ካብ ኣባላት LRA ዛጊድ ናብ ፍርዲ ዝቀ፟ረበ ፈላማይ ገበነኛ 'እዩ።ካብቶም ዝተኸሰሰሎም 70 ገበናት በቶም 61 ኣንፃር ሰብኣውነት ዝፈፀሞም ወንጀላት ገበነኛ ተባሂሉ እዩ ። እቶም ክስታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም ኣብ 4 መዓስከራት ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ህዝብታት ዩጋንዳ ካብ 2003-2004 ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ እዩ ።

ብዝተፈላለዩ ገበናት ኲናትን ንቅ፟ትለታት ደቂ ሰባት ሓዊሱ ብገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ዝተኸሰሰ ኮይኑ ምስቃያት ፣ባርነት ፣ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ምዕጣቅ፟ ፣ ስደት ፣ ኣገዲድካ ሓዳር ፣ ኣገዲድካ ምዕማፅን ጥንስን ዝበሉ ገበነኛ ተባሂሉ'ዩ ።

እዚ ብዘይፍቃ፟ደን ክጠንሳ ዝብል ኣብ ዝኾነ ዓለምለኸ ክስታት ዘየጋጠመን ንፈለማ እዋን ዝተዋህበ ፍርዲ'ዩ ። ኦንግዋን ኣብ ዝቅ፟ፅል ቆፀርኡ እስራት ዕድመ ልክዕ ክውሰነሉ ይኽእል እዩ ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኦንግወን ኣብ ገበናትን ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ብዝፈፀሞ ወንጀልን ገበነኛ ሙኳኑ ከም እተቀ፟በለቶን " እዚ ብአባላት LRA ዝተፈፀሙ ጭካነ ዝተመልኦም በደላት ዝተዋህበ ውሳነ ግደ ፍትሕን ተሓታታይነትን ዓብዪ መርኣያ'ዩ ። " ዝበሉ ውሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኔድ ፕራይስ ።

"እዚ ኸይዲ ፍርዲ ብዝተወሰነ መልክዑ'ውን እንተኾነ ኣብቶም ግዳያት ሰላምን ምርግጋኣትን ከምዝፈጥር " ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኦንግወን ኢዱ ንክህብን ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ንምቅ፟ራብን ኣብ 2015 ዝለዓለ ፃዕሪ ገይራ'ያ ዝበሉ እቶም ውሃቢ ቃል " ኦንግዋን ፍርዲንተዋሂቡዎ ብምርኣይና ሕጉሳት ኢና " ኢሎም ።

" ተስፋ ንገብር ከይዲ ስነስርዓት ውሳነ ፍርዱ ንህዝቢ ዩጋንዳ ብቀ፟ጥታ ክከታተሎ ክግበር እቶም ገበነኛታት ኣብ ልዕሊኦም ብዝፈፀምዎም ገበናት ተሓተቲ ዘግብር ፍትሒ ከምዘሎን ነቲ መስካሕካሓይ ተግባራት LRA ብምግላፅ ምቅ፟ራብ ይከኣል ። " ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም ።

ዩናይትድ ስቴትስ ሐዚውን ንመራሒ LRA ነበር ጆሴፍ ክኒይ ዝረኣየ ወይ 'ውን ዝለሉ ቦታ ንዝሓበረ ስጋብ 5 ሚልየን ዶላር ዝበፅሕ ሽልማት ክትህብ እያ ። ብሙዃኑ ብዛዕብኡ ሓበሬታ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ብኢሜል wcrp@state.gov ወይ 'ውን ብቁፅሪ ስልኪ 1-202-975-546 ቁፅሪ WhatsApp ብምጥቃም መልእኽቲ ፅሑፍ ምልኣኽ ይከኣል ።