ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንዓለምለኸ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት 2020 ዝጥምት ዘውፀኦ ዓመታዊ ሪፖርት

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ መጋቢት 30 ኣብዘውፀኦ ንዓለምለኸ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት 2020 ዝጥምት ዓመታዊ ሪፖርት ከምዝበሎ "እዚ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝተጋገየ መንገዲ ይጓዓዝ ምህላዉ ዘርኢ እዩ "።ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን "ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዘሎ ሓበሬታ ዘርእዮ እዚ እዩ"ኢሎም::

" ኣብ ሺንጂንግ ኣብ መብዛሕቲኦም ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ዝኾኑ ኡሁራውያን ኣብ ካልኦት ዉሑዳን ሰዓብቲ ሃይማኖትን ዓሌትን ዝኾኑ ማሕበረሰባት ገበናት ምፅናት ዘርኢ ክፍፀሞም ንርኢ ኣለና ፤ ኣብ ከም ሩስያ ፣ዩጋንዳን ቬንዙዌላን ዝበሉ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ኣክቲቪስትታት ኣንፃር ግዕዝይና ፣ ተቃወምቲ ፖለቲከኛታትን ናፃ ጋዜጠኛታትን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትን ማእሰርትን ፣ ኣብ ቤላሩስ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰልፈኛታት ምኽንያት ዘይብሉ ማእሰርትን ማሕሰይትን ካልኦት ጥቅዓትን ኣብተን ሃገራት ብዝካየድ ጎንፅታት በቶም ተፃባእቲ ሓይልታት ዝወርድ ምጥሓስ መሰላትን ምንግልታዓትን ዘብፀሖ ዕንወት ንህዝቢ የመን ብምርኣይ ምርግጋፅ ይከኣል ። መቅተልቲ:ፆታዊ ዓመፃትን ካልኦት ጭካኒያዊ ጨፍጫፋትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምፍፃሞም ካብ ተኣመንቲ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ምርግጋፅ ተኻኢሉ ። ከምኡ'ውን ቅትለታት ፣ኣገዲድካ ምጭዋይን ምስቃያትን ብገዛእቲ ሶርያ ዝፍፀሙን ኣብምክያድ ዝርከብ ኲናት ኣብያተ ትምህርቲ ፣ዕዳጋን ሆስፒታላትን ከዕንዉ ይረአ ኣሎ ።"

ምምሕዳር ባይደን ሃሪስ ሰብኣዊ መሰላት ማእኸል ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ገይሩ ንምስራሕ ዘለዎ ድልየት ዝለዓለ ሙዃኑ ይሕብር ። "ኣብ ዝኾነ ኸባቢ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ምባል ልዑል ድልየት ኣሜሪካ እዩ" ኢሎም ብሊንከን

"ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ዘለዎም ብሰላም ዘተኣናግዳ <ሙሰኛታትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍፅሙ ሰበ ስልጣናት ዝቀ፟ፅዓ፣ ሕጊ ሰራሕተኛታተን ዘኽብራ ፣ ፍልልያት ድሕረ ባይታ ደቂ ሰባት ኣከኣኢለን ብማዕረ ዕድላት ዘተኣናግዳ ሃገራት ዝተረጋግኣ፣ዝማዕበላን ሰላም ዝዓሰለንን ካብ ሙዃነን ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብሩ መንግስታት ዓለምለኸ መሰረት ዘለዎም ሕግታት ኣሜሪካን መሓዙታን ንዓሰርተታት ዓመታት ክሃነፀኦ ዝፀንሓን መዋእለ ንዋየን ዘፍሰሳሉን ሕግታት ከምዝድግፈኦ ርዱእ እዩ ። "

ይኹን እምበር እተን ኣብ ልዕሊ ህዝበንጭካኛዊ ምጥሓስ መሰላት ዝፍፅማ ሃገራት ምኽንያተን ንሱ ኣይኮነን ይብሉ ብሊንከን

ACT 3

" መብዛሕትኡ ግዘ ነቶም ዓለም ለኸ ተቀ፟ባልነት ዘለዎም ሕግታት ዝጥሕሳ ተመሳሰልቲ ሃገራት እየን እንተስ ዶብ ሰጊረን ብምውራር ሳይበራዊ ጥቅ፟ዓት ብምኽፋት ፣ ተቃ_ወምቲ ምንግልታዕ ፣ ሓበሬታ ምጥፋእ ወይውን ንግዳዊ ሕግታት ብምጥሓስ ይትግብረኦ "

ዩናይትድ ስቴትስ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፍፀሙ ኣካላት ብሕጊ ተሓተቲ ንኽኾኑ ምስ መሓዙታን መሻርኽቲ ኣካላትን ንምስራሕ ፅኑዕ ድልይት ከምዘላዋ ብሊንከን ገሊፆም ።

ንናፅነትን ክብርን ደቂሰባት ምሕላቅ፟ ቅዱስ ዕላማ ኣሜሪካ እዩ ። ብዝተኻእለና ንናፅነትን ፍትሒን ኩሉ ሰብ ጠጠው ንብል ። ኣብዚ ኣብ ሃገርና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ዓለም ።