መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሳይቸር ሰኩሪቲ

ኣሜሪካን እንግሊዝን ብምትሕብባር ኣብ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓታት ክልቲኤን ሀገራት ራንሶምዌር መጥቃዕቲ ንዝፈፀሙ ሸውዓተ ጉጅለ ገበነኛታት ማዕቀብ ኣንቢረን። ሚኒስትር ማዕከን ገንዘብ ኣሜሪካ ክፍሊ ምቁፅፃር ንብረት ወፃኢ ምስሩስያ ዝምቕማጡ ትሪክ ቦት ዝተባህለ ሳይበራዊ ገበነኛ ጉጅለ ብምስታፎምን ከምኡ’ውን ኣብ ደሕንነት ሃገርን ናይ ወፃኢ ፖሊሲን፣ ቁጠባዊ ጥዕና ገንዘባዊ ምርግጋኣት ኣሜሪካ ስግኣት ዝፈጥር ብሙኻኑ ብመቕፅዒ ሕጊ 13757 ደሓር ብኣፈፃሚ ትእዛዝ ተማሓይሹ ዝወፀ 13694 መሰረት ገበነኛታት ክብል ሰይሙዎም እዩ።

ትሪክቦት ኣብ 2016 ዝማዕበለ ኾይኑ ፈለማ ዳየር ካብ ዝተባህለ ትሮጃን ቫይረስ ዝማዕበለ እዩ። ካብ ሩስያ ወፃኢ ዝርከቡ ናይ መስመር ባንክታት ዕላማ ዝገበረ ኾይኑ ዳየር ኣብ ሞስኮ ሩስያ መሰረት ብዝገበሩ ወልቀሰባት ዝንቀሳቐስ እዩ ነይሩ። ደሓር ግን ትሪክ ቦልት ናብ ማልዌር ተፀምቢሩ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ሳይበራዊ ንጥፈታት ብምክያድ ናይ ራንሶምዌር መጥቃዕትታት ናብ ምፍፃም ዓብዩ። ሩስያ ዝምቕማጡ ሳይበራዊ ገበን ዝፍፅም ጉጅለ ትሪክ ቦት ዝጥቀመሉ እዩ።

ብናይ ኢንተርኔት ሽሙ ቤንትለይ ወይውን ቤን ተባሂሉ ዝፍለጥ ቫይታሊ ኮባሌቭ እዩ ላዕለዋይ መራሒ ጉጅለ ትሪክ ቦት። ማክሲም ሚክሃሎብ ወይ ድማ ባገት ድማ ኣብ ምዕባለ ንጥፈታት ጉጅለ ትሪክ ቦት ዝሳተፍ እዩ። ግሎባስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቫለንቲን ካርያጊን ድማ ኣብ ምዕባለታት ራንሶምዌርን ካልኦት ፕሮጀክትታት ማልዌር ዝከታተል እዩ። ሚክሃሊ ኣስክሪትስኪይ ብናይ ኢንተርኔት ሽሙ ትሮፓ ዝፍለጥ ድማ ኣብ ፕሮጀክትታት ገንዘባዊ ምጭብርባራትን ስርቅን ጉጅለ ትሪክ ቦት ዝሰርሐ እዩ። ናይ ግዳያት መንነት ንምስራቕ ዝተፈላለዩ ኮዳት ናብ ዌብ ሳይታት ብምልኣኽ ዘታልል ዲሚትሪ ፕሌሽቭስኪይ ኾይኑ ኢሰልዶር ብዝብል መፀውዒ’ውን ይፍለጥ እዩ።ኢቫን ቫክህሮምየብ ወይ’ውን ማሽሩም ድማ ኣመሓዳሪ ጉጅለ ትሪክቦት እዩ። ስትሪክስ ብዝብል መፀውዒ ዝፍለጥ ቫለሪ ሰድለትስኪ ኣመሓዳሪ ጉጅለ ትሪክ ቦትን ንሰርቨራት ዝቆፃፀርን እዩ ነይሩ።

ነዚ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ብፅሑፍ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ

“ሩስያ ንኸም ጉጅለ ትሪክቦት ዝበሉ ናይ ሳይበር ገበነኛታት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን ካልኦት መሓዙትን መሻርኽቲ ኣካላትን ብዘይ ከልካሊ ተንኮላዊ መጥቃዕቲ ንኽፍፅሙ ተፍቅደሎም ናይ ነፃነት ሀገሮም እያ። እቶም ዝፍፅምዎም ንጥፈታቶም ኣብ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓታት ሆስፒታላትን ትካላት ሕክምናን ዘነፃፀሩ እዩም።”

ወሲኾም “መራሕቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ኣንፃር ዓለም ለኸ ገበናት ሳይበር ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ መራሕቲ እዩም። ቀፃላይ ሓደጋታት ሳይበር ንምክልኻል ድማ ኩሉ ዓቕሞም ፀንቂቖም ብምጥቃም ክቕፅልሉ እዮም።”

እዚ ክልከላ ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሓዱሽ ናይ ሳይበር እገዳ ብዓል መዚ ፈላማይ ስጉምቲ እዩ። “ቀፃላይ ገበናት ሳይበር ሩስያ ንምፍታሕ ምስ መሻርኽትን መሓዙትን ብምትሕብባር መጥቃዕትታት ሳይበር ራንሶምዌር ፈፀምቱ ገበነኛታትን ንምምካት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ተካይዶ ዘላ ዘይሕጋዊ ኩናት ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን’ውን ሀገራዊ ደሕንነትና ንምሕላው ብዝበለፀ ምትሕብባራትና ነሐይለሉ እዩ ኢሎም”