ርእሰ ዓንቀጽ- ኣብ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኣመሪካ

ኣሜሪካ ኣብ ፈላመይቲ ዕለተ ሰኑይ ናይ ወርሒ መስከረም በዓል መዓልቲ ሰራሕተኛታት ተኽብር። እዚ ድማ ነቶም ሰራሕተኛታትን ኣብ ምዕባለ ኣሜሪካ ዘበርከትዎ ግደን ኣፍልጦ ዝህብ እዩ።

ከም ቃል ፕሬዝዳንት ጆባይደን ንኣሜሪካ ዝሃነፀ እቲ ማእከላይ ደርቢ እዩ ነቲ ማእከላይ ደርቢ ዝሃነፀ ድማ ማሕበር ሰራሕተኛታት እዩ ይብሉ። እዚ ኣባህላ ድማ ብዙሕ ሓቂ ዘለዎ እዩ።

ኣብ መወዳእታ 1860ታት ኣብ ገጠራት ማሽን ነቲ ብጉልበት ሰባት ዝስራሕ ዝነበረ ክትከኦ ጀመረ። ይኹንምበር ኣብ ሰሜን ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ዝነበራ ከተማታት ድማ ሓደስቲ ስራሕቲ ኢንዱስትሪ ክፈጥራ ጀሚረን ነይረን። ስለዝኾነ እቶም ካብ ኲናት ሕድሕድ ዝተመልሱ ደቂ ተባዕትዩ ኣብተን እናዓበያ ዝመፃ ብፋብሪካታት ዝማዕበላ ከተማታት ስራሕ ንምቁፃር ናብራ ገጠር ሓዲጎም ይኸዱ ነበሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብቀንዱ ካብ ኣውሮፓ ስራሕን ሓደስቲ ዕድላት ዝበሃጉ በዝሒ ዘለዎም ስደተኛታ ክውሕዙ ጀመሩ።

ይኹን’ምበር እቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ኣብ ትሕቲ ፅንኩርን ሓደገኛን ኩነታት ኣብ ፋብሪካታት ሓፂን መፂንን ዕደናን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣብ መዓልቲ 12 ሰዓታት 7 መዓልታት ኣብ ሰሙንን ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝረኽብዎ ክፍሊት ድማ ወፃእታት መነባብረኦም ዝሽፍን ኣይነበረን። ብሙዃኑ ማሕበር ኣጣይሾም። ማሕበሮም እናዓበየ ኸይዱ ከምኡ’ውን ምምሕያሽ መሃይኦምን ኩነታት ስራሕን ናይ ምድርዳር ዓቕሞም’ውን ብኡኡልክዕ ዓቕሙ እናዕበየ መፀ። ኣድላይ ኣብዝኾነሉ እዋን ድማ ሰልፍታት ስጋብ ምክያድ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣድማ ከተሓባብሩ ጀመሩ።

ይኹን’ምበር እቶም ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ኣብ ትሕቲ ፅንኩርን ሓደገኛን ኩነታት ኣብ ፋብሪካታት ሓፂን መፂንን ዕደናን ዝሰርሑ ዝነበሩ 12 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ 7 መዓልታት ኣብ ሰሙንን ይሰርሑ ነበሩ። እቲ ዝረኽብዎ ክፍሊት ድማ ወፃእታት መነባብረኦም ዝሽፍን ኣይነበረን።

ብሙዃኑ ማሕበር ኣጣይሾም። ማሕበሮም እናዓበየ ኸይዱ ከምኡ’ውን ምምሕያሽ መሃይኦምን ኩነታት ስራሕን ናይ ምድርዳር ዓቕሞም’ውን ብኡኡልክዕ ዓቕሙ እናዕበየ መፀ። ኣድላይ ኣብዝኾነሉ እዋን ድማ ሰልፍታት ስጋብ ምክያድ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣድማ ከተሓባብሩ ጀመሩ።

ብርተዐ ሕብረቶም ንምርኣይ 5 መስከረም 1882 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ 10,000 ሰራሕተኛታት ብዝይ ክፍሊት ዕረፍቲ ወሰኢዶም ካብ ኣዳራሽ ከተማ ናብቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ መናፈሻ ብምኻድ ኣብቲ ፈላማይ ብዓል ሰራሕተኛታት ተሳተፉ።

እዚ መዓልቲ ሸቃኦ ንምፅምባል ዝዓለመ ዓመታዊ በዓል ክህልዎ ዝብል ሓሳብ ተቐባልነት ረኺቡ በቢ ዓመቱ ተመሳሰልቲ ሰርፊታት የካይድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ 12 ዓመታት 28 ሰነ 1894 ዓ/ም ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ንኽኽበር ሕጊ ብምውፃእ በቢ ዓመቱ ፈላመይቲ ሰኑይ ወርሒ መስከረም ሃገራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ኮይኑ ንኽኽበር ወሲኑ።

ኣብቲ እዋን ነቲ ሕጊ ዝፈረሙ ፕሬዝዳንት ግሮቨር ክሊቭላንድ ከምዝበልዎ “ ናይ ብሓቂ ኣሜሪካዊ ኣረኣእያ ንኽብሪ ሸቕልን ኣብ ሓቀኛ ፃዕሪ ዝተሞርከሰ ሙዃኑ ኣፍልጦ ዝህብን” ክብሉ ገሊፆምዎ። ፕሬዝዳንት ባይደን ብወገኖም ኣብቲ ናይ ፅሑፍ መግለፂኦም “ኣብ መዓልቲ ሸቃሎ ነቲ ኣገዳሲ ሓቅ፣ ተወፋይነትን ክብርን እቶም ንምዕባለ ሃገርና ዓቕሚ ዝኾኑ ኣሜሪካውያን ሰራሕተኛታት ነኽብር።”

“ኣብዚ መዓልቲ ሸቃሎ ምስ ኩሎም እቶም ንሃገርና ናብ ሓዱሽ ጠርዚ ምዕባለ ንምብፃሕ ዝሰርሑን ከምኡ’ውን ድምፂ ሓይሊን ኩሎም ሸቃሎ ንዝኾኑ ማሕበር ሰራሕተኛታ ብሓባር ደው ንብል።”