ፕረ .ባይደን ብልሽውና ስግኣት ጸጥታ'ዩ ኢሎም

ግዕዝይና ንሃገራዊ ደሕንነት ዩናይትድ ስቴትስ ቀጥታዊ ስግኣት ብሙኳኑ ኣንፃር እዚ ዓለም ለኻዊ ዕንቅፋት ምቅላስ ንምምሕዳር ባይደን ሃሪስ ቀንዲ ፖሊሲ እሽጢ ሃገርን ወፃእን እዩ ። ብሙኳኑ ሰነ 3/2021 ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ግዕዝይና ንምቅላስ ዝሕግዝ ኣብ ሃገራዊ ደሕንነት ዝጠመተ መፅናዕቲ መምርሒ ብምውፃእ ቀንዲ ውራይ ሃገራዊ ፀጥታ ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኑ ተጣይሹ ። እቲ መምርሒ ላዕለዎት ሰበስልጣናት መንግስቲ እዚ ቀንዲ ሓደጋ ንምቅላስ ሓፈሻዊ ስትራቴጂ መንግስቲ ንኸዳልው ኣዚዞም ።

ግዕዝይና ካብ 2-5% ውሽጣዊ ምህርቲ ናብ ካዝንኡ ዘእቱ ዓለም ለኻዊ ሓደጋ 'ዩ ። ከምኡ 'ውን ኣብ ዓለም ካብ ግዕዝይና ዝፀረየት ሃገር የለን ።ማህሰይቱ ድማ ኣብቲ ታሕተዋይ ማሕበረሰብ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ዝፍለጥእዩ ።መብዛሕትኡ ግዘ ወሰንቲ ብቀሊሉ ክረኽብዎ ዝግብኡ ነገራት ከም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ፣ ኣገልግሎታት ጥዕናን ዝኣምሰሉ ነገራት ክኽልከሉ ይግበር። ሓላፊት USAID ሳማንታ ፖወር ከምዝበለኦ “ ግዕዝይና ንዘይማዕበላ ሃገራት ኣብ ዓመት ስጋብ 1.26 ትርሊየን ዶላር ዝግመት ገንዘብ የስእነን ።

ፕሬዝዳንት ባይደን ነቲ ግዕዝይና ንምውጋእ ዝተዳለወ መፅናዕታዊ መምርሒ ኣብ ዘቅ፟ረብሉ እዋን ከምዝበልዎ “መሰላት ደቂ ሰባት ዘኽብሩ ዴሞክራሲያዊ ስርዓታት ጥንካረ ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ወሰንቲ ፈተናታት ዘመና ዝገጥምዎ “ ክብሉ ፅሒፎም እዮም ።

ግዕዝይና ማሕበራት መሰረታት ዴሞክራሲ ይምዝምዝዋ መንግስቲ የዳኽም ፣ ሃብትታት ህዝቢ የባኽን ፣ ማዕረ ተበፃሓይነት ኣገልግሎታት የበላሹ፣ ኣፈላላያት ይፈጥር ፣ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ጥራሕ ክኾኑ ይገብር ። ግዕዝይና ዴሞክራሲያዊያን ትካላት መሰረተን ብምጥቃዕ የዕንወን ፣ ኣኽራራይነት ክፍጠርን

ክግውድን ይገብር ፣ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት ዴሞክራሲያዊ ምምሕዳራት ብቐሊሉ ክዓንዉ ይገብሩ ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብነት ኮይና ከምኡ'ውን ምስ መሓዙት ኣካላት ፣ሲቪል ማሕበራትን ዘፈራት ውልቀን ብሙዃን እዚ ሓደገኛ ጉዳይ ንምቅላስ መሪሕነት ትወስድ ። ይኩን 'ምበር እዚ ልእኽቶ ኩሉ ዓለም እዩ ። ብሙኳኑ ኩላትና ብቕንዕናን ብግልፅን እንሓትት ዜጋታት ክንድግፎ ዝግባእ እዩ ክብሉ ወሲኾም ፅሒፎም ። ርግፅ እዩ እቲ መረዳድኢ ሰነድ ከምዘርእዮ ውልቀ ዘፈራት ኣብዚ ቃልሲ ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም እዩ ዘርኢ ኩባንያታት ደገ መንፍስቲ ኣሜሪካ ፋይናንሳዊ ግልፅነቶም ዘማሓይሽሉ መንገዲ ዝሓትት ሕግታት ከማዕብል ሙኳኑ ኣፍሊጡ ።

ሓበሬታታት ምስ መንግስቲ ብምቅይያር ዝሐሸ ስራሕ ክስራሕ ምትሕብባር ከምኡ'ውን ንኽፍሊ ቁፅፅር ፋይናንስ ሃገር ብዛዕባ እቶም ገንዘባዊ ኣታውታትን ሓበሬታ ምሃብ ።ዋላ'ውን ሕጋዊ ወነንቲ እቲ ካምፓኒ ካልኦት እንተኾኑ'ውን ። “ግዕዝይና ምውጋእ ማለት ሰናይ ምሕደራ ምዕሳል ማለት ጥራይ ኣይኮነን ንርእስኻ ምክልኻል 'ውን እዩ ፣ ሓርብርኝነት ፣ዴሞክራሲናን መፃኢናን ዘውሕስ 'ውን እዩ ።