Accessibility links

Breaking News

ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ


ሕቡራት ሃገራታት ኣሜሪካ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ርክብ ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ንፆታዊ ዓመፃት ሓዊሱ ግፍዕታት ፈፂሞም ክብል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ዘውፀኦ ሪፖርት ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባ ትገልፅ ።

እቶም ተፈፂሞም ዝተባህሉ ግፍዕታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ መፈለምታ መስከረም 2021ን ከምኡ'ውን አብ ወርሒ ሓምለ ንሓፂር እዋን ንከባቢታት ቆቦን ጭናን ተቆፃፂሮምዎ ኣብ ዝነበርሉን እዋን እዩ።

“ እዚ ሪፖርት ብስፍሓት ዝተፈፀሙ ምዕማፅት ፣ ዘይሕጋዊ ቅትለታትን ካብ ሆስፒታላት ከይተረፉ ብተደጋጋሚ ዝተፈፀመ ስርቂን ሓዊሱ ዝሓዘ እዩ ።” ይብላ ኣብ ምብራቅ፟ ኣፍሪካ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ምኽትል ዞባዊ ዳይሪክተር ዝኾና ሳራ ጃክሰን ።

ኣብ ሰሜን ኣምሓራ ትርከብ ከተማ ቆቦ ሓትልታት ትግራይ ኮነ ኢሎም ዘይዕጡቃ፟ት ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ። ከምኡ'ውን ካብ ሓምለ 2021 ጀሚሮም ኣብ ካልእ ጭና ዝተባህለት መንደርን ከባቢኣን ሓይልታት ትግራይ ብደርዘን ዝቁ፟ፀራ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ዓሚፆም ። ከም ፀብፃብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል “ እተን ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመን ደቂ ኣንስትዮ ጭካነ ዝተሓውሶም ፣ማህረምትታት ፣ ክንቀትለክን ኢና ዝብሉ ምፍርራሓትን ዓሌት ዘነኣእሱ ፀርፍታትን 'ውን ” ተፈፂሙወን እዩ ኢለን ። መብዛሕትአን እተን ግዳያት 'ውን ንአካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ተሳጢሓን ይርከባ ።

ቅድም ክብል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ንፋስ መውጫ'ውን ደቂ ኣንስትዮን አዋልድን ኣምሓራ ምዕማፆም ዘርኢ ተመሳሳሊ ፀብፃብ ምውፅኡን ካብ ካልኦት ከባቢታት ኣምሓራ'ውን ተኣመንቲ መረዳእታታት ረኺቡ እዩ ።

ነበርቲ ቆቦን ከባቢታት ጭናን ንኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝበልዎ ሓይልታት ትግራይ ቤቶምን ሹቆ፟ምን ሰሪቆ፟ም ንብረት ህዝቢ ዝኾኑ ጥዕና ኬላታትን ኣብያተ ትምህርትን ምዝራፎምን ምዕናዎም ይገልፁ ። ምዕናውን ምዝራፍን 'ቶም ትካላት ጥዕና ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ንዝኾናን ካልኦት ሕክምናዊ ክትትል ንዘድልዮም ነበርቲ እቲ ኸባቢ ኣግልግሎት ንኸይረኽቡ ገይሩዎም እዩ ።

እዞም ቀፅልነት ዘለዎም ግፍዕታት ዘርእዩ ሪፖርትታት ወተሃደራዊ ግጭታት ብቅ፟ልጡፍ ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎም ዝረእዩ እዮም ።ይብሉ ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ “ ንተፃባእቲ ሓይልታት ብምስታፍ ዓመፃትን ግፍዓዊ ተግባራትን ጠጠው ክቡሉ ፤ ከምኡ'ውን ብዘይ ገለ ክልከላ ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዛት ዝቀ፟ርብሉን እቲ ጎንፂ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ ኩነታት ምዝኽካርና ክንቅፅል ኢና ” ኢሎም ።

ፕራይስ ወሲኾም “ ኩሎም ዕጡቃት ተፃባእቲ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፅምዎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ከብሉን ክኹንኑን ኣብ ምፍታሕ እቲ ቅልውላው ወሳኒ ፍታሕን ንኽመፅእን ኣብቶም ዝተፈፀሙ ግፍዓዊ ተግባራት ድማ ተሓታትነት ንኽህሉ ተአማንነት ዘለዎ መርመራ ክግበር ይግባእ” ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG