Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ - ዳንኤል ኦርቴጋ


ዳኒኤል ኦርቴጋን ሮሳሪዮ ሙሪሎን ዝደለዮ ዋጋ ይሕተት ኦርቴያ ንመበል ራብዓይ ግዜ ፕሬዝዳንት ኒካራጓ ኮይኖም ክምረፁ ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ አለዉ ። መስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ፣ ጋዜጠኛታት፣ ነቀ፟ፍትን ተቃ፟ወምቲ ፖለቲካን ሰፊሕ ናይ ምፍርራሓትን ምግልዓትን ወፍሪ ይፍፅሙ ኣለዉ ።

ነፃ ፕረስን ኣብ ድህረ-ገፃት ዝግበሩ ነቀ፟ፌታትን ንምዕፋን ተሓሲቡ ዝተዳለዉ ሕግታት ደንጊጎም ፤ ካብ ደገ ሓገዝ ገንዘብ እናተገብረሎም ንዝሰርሑ ትካላትን ኣብያተ ንግዲ ከምናይ ደገ ወኪላት ኮይኖም ክቁ፟ፀሩን እዚ ድማ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ምንቅስቃ፟ሶም ንኽቆፃፀሮ ከምዝሕግዞ ፤ ከምኡ'ውን ብግልፂ ዘይተቀ፟መጠ ዝርዝር ገበን ብጥቅ፟ልሉ “ኣብልዕሊ መንግስቲ ብዘለዎ ፅልኢ ተበጊሱ ገበን ንዝፈፀመ ” መንግስቲ ነቲ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ዝብይን ሕጊ ኒካራጓ ኣመሓይሹ ንኽቅ፟ፅል ገይሩ ።

ኦርቴጋን ሙሪሎን ዝቆፃፀርዎ ቤት ምኽሪ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ነቶም ቀንዲ ተቃ፟ወምቲ ፓርትታት ሕጋዊ ፍቃ፟ዶም ብምእጋድ ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ንኸይሳተፍ ከልኪሉ ፤አባላቶም ተኣሲሮም ፣ ተንገላቲዖም፣ ኣብቲ መረፃ ከይወዳደሩ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስጋር ገንዘብ ተዋፊሮም ጥቅ፟ምን መሰልን ማሕበረሰብና ክሃስዩ ተረኺቦም ዝብል ምስምሳት ብምፍጣር ክኽሰሱ ወይውን ብዘይ ምኽንያት ክእሰሩ ይገብር ።

ኦርቴጋን ሙሪሎን ኣብ ስራሕ ፈፅምቲ መንግስቲ ፣ኣፈፀምቲ ሕጊ ፣አብ ፍትሕን ኣፈፀምቲ መረፃን ብምእታው ዴሞክራሲ ኒካራጓ ከቢድ ግፍዒ ይፍፅሙ ኣለዉ። ነዚ ተግባሮም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ 19 አፈፀምቲ መረፃን ሰበስልጣናት ፖለቲካ ፓርትን ክልከላ ቪዛ ኣንቢሩ ።

“ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ፕሬዝዳንት ዳንኤል ኦርቴጋን ብዓልቲ ቤቶምን ምኽትል ፕሬዝዳንትን ሮዛርዮ ሙሬሎ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝበሓትዎ ስልጣኖም ከቀ፟ፅሉ ንዝገብርዎ ምንቅስቃ፟ስ ብኣንፅሩ ዝንቀሳቀ፟ሱ ንልዕሊ ደርዘን ዝኾኑ ሕፁያት ተነሓናሕቲ ፣ ጋዜተኛታት ፣ተምሃሮን ወነንቲ ኣብያተ ንግዲን ካብ ዝገብሩዎም ምፍርራሓትን ማእሰርትን ብተወሳኺ ሰራሕተኝታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ፣ ተጣበቅ፟ቲ ሰብኣዊ መሰላትን ተነሓናሕቲ ኣባላት ፖለቲካ ፓርትታት ኣብቲ ሕዳር 7 ዝካየድ መረፃ ንኸይሳተፉ ምኽልካልን ዝበሉ ተግባራት ክፍፅሙ ፀኒሖም'ዮም ።” ኢሎም ውሃቢ ቃ፟ል ሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢ ኔድ ፕራይስ ብፅሑፍ ኣብ ዝደድዎ መግለፂ ።

“ እዚ ናይ ሎሚ ክልከላ ነቲ ቅድም ክብል ዳኛታትን ዓቀብቲ ሕግን ስድረኦምን ሓዊስ ኣብ ልዕሊ 150 ሰባት ዝወረደ ክልከላ ቪዛ ስዒቡ ዝተዋህበ እዩ ።እዚ ክልከላ ቪዛ ብዝኾነ መገዲ ዴሞክራሲ ንምድኻም ወይውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝተሳተፉ ፤ ንኣብነት ተቃ፟ውሞኦም ብሰላማዊ መገዲ ዝገልፁ ሰባት ንምዕፋን ዝፍትኑ ኒኳራጓውያን ዝምልከት እዩ። እዚ ንስድረኦም 'ውን ዝምልከት እዩ ”ኢሎም ። እቶም ውሃቢ ቃል ወሲኾም “ እዚ ስጉምቲ መንግስቲ ኦርቴጋን ሙሬሎን ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ዘውረዶ ሓደጋ ተሓታትነቶም ንምርኣይ ዘለና ቁሩብነት ዘርኢ እዩ ። ኣብ ኣሜሪካ ተቀባልነት የብሎምን ”ኢሎም።

XS
SM
MD
LG