ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣልቃዒዳ፣ ኣልሸባብን ካልኦት ሓደገኛታት ዝኾኑ ተሓባበርቶምን መጥቃዕቲ ምውራድ ቀፂላ ትርከብ ።ኣብ ቀረባ እዋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴት ንላዕለዎት ኣመራርሓ ኣልሸባብ ብፍላይ ዓብደላ ዖስማን መሓመድን ማሊም ኣይመንን ዓለም ለኸ ኣሸበርቲ ክብል ፀሪሑዎም እዩ። ክብል እዩ እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ሓተትኡ ዝጀመረ ።
“ኢንጂኔር እስማኤል “ ተባሂሉ'ውን ዝፍለጥ ዓብዱላሂ ዑስማን ናይቲ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣመሓዳሪ መምረቲ ላዕለዎት ተባራዕቲ ፈንጅታት ኪኢላ ኦፖሬሽናት 'ዩ ። ከምኡ'ውን ንዓሚር ኣልሸባብ ፍሉይ ኣማኻሪኡን ኣልካታኢብ ናይ ዝተባህለ ክንፊ ማዕከን መራኽቢ ብዙሃን ኣልሸባብ መራሒን እዩ ።
ማሊም ኣይመን ድማ ክፋል ኣልሸባብ ዝኾነ መራሒ ጃይሽ ኣይመን 'ዩ ። ኣብ ሶማልን ኬኛን ዝተኻየዱ ሓደጋታት ግብረ ሽበራ ዝመርሐ እዩ ። ነቲ ኣብ ጥሪ 2020 ኣብ ቀፅሪ ሲምባ ፣ ማንደ ቤይ ኬንያ ብዝበፅሐ ሓደጋ ግብረ ሽበራ ሓደ ኣባል ኣገልግሎት ምክልኻል ኣሜሪካን ክልተ ኣሜሪካውያን ኮንትራክተራትን ዝቀ፟ተለ ሓደጋ ዝመርሐን ዝተለመን እዩ።
ኣልሸባብ ኣብ 2008 ብጉጅለ ግብረ ሽበራነት ዝተበየነ ኾይኑ ሰላም፣ ፀጥታን ምርግጋአትን ኬንያን ሶማሊያን ንሓደጋ ብምስጣሕ ቀፂሉ ይርከብ ። ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፓምፔኦ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፤ “ ኣሜሪካ ዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ኣልሸባብ ንምስንኻል ፣ ኣብ ሰላማውያን ዜጋታት ንዘብፀሖ ተወሳኺ ሓደጋ ዓቅ፟ሙ ንምቅ፟ናስ ንግብረርሽበራ ዝውዕል ገንዘብ ዝረኽብሉ መንገዲ ብምትዕንቃ፟ፍ ንመንግስቲ ፌደራል ክትሕግዝ ድልውቲ እያ ።
እዚ ድማ ምስ ደገፍትናን መሓዙትናን ብሓባር ኮይንና ብምስራሕ እቲ ጉጅለ ግብረሽበራ ኣብ ምብራቅ፟ ኣፍሪካ ዘለዎ ዝርገሐን ጎብለልነትን ብምድኻም ምንብርካኽ ከምዝከኣል ሓቢሮም እዮም ። ክብል ይቅ፟ፅል እቲ ርዕሰ ዐንቀፅ ።
ብሙዃኑ በዞም ምኽንድያታት ዝኾነ ኣሜሪካዊ ብሓፈሻ ምስ መሓመድን አይንንን ኣብ ዝኾነ ዓይነ ልውውት ንግዲንኸይሳተፍ ተኣጊዶም እዮም ። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ስልጣን ዩናይትድ ስቴት ዝርከቡ ናታቶም ንብረትን ምሳአቶም ዝሰርሑን ኩሎም ተኣጊዶም እዮም ። ብተወሳኺ ኮነ ተባሂሉ ናአልሸባብ ብንብረት ኮነ ብኻልእ ሃብታዊ ሓገዝ ዝገብር ክሕግዝ ዝፍትንን ወይ 'ውን ክመሳጠር ዝተረኽበ ወንጀለኛ ሙዃኑክርዳእ ይግባእ ይብል ።
እዞም ውሳነታት ኣብ ስግር ባሕሪ ግብረ ሽበራ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፅዕሪ ሰፊሕ ቦታ ዝሓዙ እዮም ክብሉ ኣተሓባባሪ ፀረ ግብረ ሽበራ ናታን ሼልስ ተዛሪቦም እዮም “ ኩሎም ኣፅዋራትና ናብዚ ኩናት ከነምፅኦ ኢና ማዕቀብ ምንባር ጥራሕ ዘይኮነስ ምቅ፟ባል ሓበሬታ ፣መልእኽትታት ምልውዋጥ ፣ ሓባራዊ ዓቅ፟ሚ ክንሃንፅ ኢና” ኢሎም እዮም ።
ንሶም ወሲኾም ከምዝበልዎ ዩናይትድ ስቴት ኣብ ዜጋታታ ኣብ ዝርከቡሉ ንብረታን መሓዙታን ሓደጋ ዘብፅሕ ዝኾነ ዓይነት ጉጅለ ግብራ ሽበራ ደገ ንምጥቃዕ ድልውቲ እያ ።ከም ኣልሸባብ ዝበሉ ዝፍፅምዎም ሓደጋታት ግብረሽበራ ብውሳነታትና ብምምካን ዓለምና ምስኻዕ'ዩ ፃዕርና ንሱድማ ንገብር ክብል እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ሓተትኡ ዛዚሙ እዩ ።