Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ


ፖሊዮማላይትስ ወይድማ ፖሊዮ ኣካል ዘልምስ ፣ ቀታሊን ካብሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ፖሊዮ ብዝተባህለ ቫይረስ ዝመፅእ ሓደገኛ ሕማም እዩ ። ቫይረስ ፖሊዮ ንማእከላይ ስርዓተ ነርቭ ብምቁፅፃር አብ ሰዓታት ውሽጢ ሙሉእ ብሙሉዕ ኣካላት ሰብ ከልምስ ዝኽእል እዩ።

ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመ ንኹሉ ዘጥቅዕ ሕማም ኮይኑ ብፍላይ ድማ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃናት ዝያዳ ንሓደጋ ዝተቃ፟ልዑ 'ዮም ። ፖሊዮ ኣቀ፟ዲምካ ኽታበት ብምውሳድ ምክልኻል ዝከኣል ኮይኑ ፣በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ምሕዋይ ግን ኣይከኣልን።

እቲ ኣብ 125 ሃገራት ን 350,000 ህፃናት ምልማስ ኣካል ምኽንያትት ዝኾነ ቫይረስ ካብ ዓለም ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ኣብ 1980 ዓለም ለኽ ጉባኤ ጥዕና ተሳተፍቲ ቃል ኣትዮም እዮም። ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ኣሜሪካ እቲ ዓጋቲ ዘይነበሮ ቫይረስ ፖልዮ ኣብ 1994 ሙሉእ ብሙሉእ ክጠፍእ ተገይሩ እዩ ።ሃገራት ምዕራብ ድማ ኣብ 2000 ፣ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ 2002 ፣ ደቡብ ምብራቅ፟ ኤስያ ኣብ 2014 ፣ መብዛሕተኣን ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ኣብ ቀረባ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ካብቲ ቫይረስ ተናጊፈን እየን ።

ኣፍሪካ ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ዓመታት በቲ ቫይረስ ዝተጠቅ፟ዐ ሓዱሽ ሰብ ብዘይ ምርካቡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ካብ ፖሊዮ ነፃ ተባሂላ እያ። እታ ናይ መወዳእታ ነዚ ፅኑዕ መዐቀኒ ዝሓለፈት ኣፍሪካዊት ሃገር ናይጀሪያ ነይራ።

ን46 ሃገራት ኣፍሪካ ሓዊሱ ታሪኻዊ ዓወት ጥዕና ህዝቢ'ዩ ተመዝጊቡ ።

ኣብዚ እዋን ፖሊዮ ካብ ዓለም ብ99.9 % ቀኒሱ እዩ። ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታን'የን ነዚ ቀታሊ ሕማም ክናገፈኦ ዘይከኣለ ።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቫይረስ ፖልዮ ንምጥፋእ ዝተኸደሉ መንገዲ ቀሊል ኣይነበረን ። ዘየቋርፁ ጎንፅታት ሓበሬታት ብትኽክል ዘይምቅብባል ፣ ምምዝባላት ማሕበረሰብ ፣ ንምብፀሖም ኣፀገምቲ ኣብ ዝኾነ ኸባቢ ዝነብሩ ፣ ማሕበረሰባትን ካልኦት ፀገማትን እቲ ፃዕሪ ንምቅ፟ፃል ፈተንቲ ነይሮም ። ገሊኦም 'ውን ተሸኒፎም 'ዮም። ይኹን እምበር ተደጋጋሚ ፃዕሪ ሃገራት እቲ ቫይረስ ዝርገሕኡ ጠጠው ከብል ኣኽኢሉዎ እዩ ። እተን እናተንጠባጠባ ዝተረፋ ሃገራት መሊአን ካብቲ ቫይረስ ንኽናገፋ ቀፃልነት ዘለዎ ግብረመልሲ ኣድላይ ነይሩ። በዚ ድማ መስቲ ዘየማትእ ግብረመልሲ ኣፈታትሓ ፀገማት ፣ ዝበረታታዕን ዘይቋረፅ ፃዕሪ ማሕበረሰብን ኣመሓደርቲ ሃገራትን ካብ ፖሊዮ ነፃ ዝኾነት ዓለም ምፍጣር ተኻኢሉ'እዩ ።

ምስ ዘንሃገራት ብሓባር ኣብ ዝሰራሕናሉ እዋን ቆፂርካ ንዘይውዳእ ፃዕሪ ሰብሞያ ጥዕና ፣ ኣመራርሓ ማሕበረሰብን ብድልየቶም እቲ ቫይረስ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ምጥፋእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብሩ ተዓዚብና ኢና።

USAID ኣብዓለም ኣብ ምጥፋእ ፖሊዮ ዝለዓለ ግደ ተፃዊቱ እዩ። ንልዕሊ 400 ሚልዮን ህፃናት በቢ ዓመቱ ክታበት ፖሊዮ ክረኽቡ ይገብር ።ሎሚ ከባቢ 19 ሚልዮን ዝፅግዑ ሕፅናት ካብ ምልማስ ኣካል ድሒኖም ብዘይ ገለ ፀገም ክንቀሳቀ፟ሱ ኣኽኢሉዎም እዩ። ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ካብ ሞት ኣድሒኑ እዩ።

ኣብዚ ዓመት 2020 ዓለም ልኸ መዓልቲ ፖሊዮ ምስቲ ኣፍሪካ ካብቲ ቫይረስ ነፃ ዝኾነትሉ ዓወት ብሰንኪለበዳ ኮቪድ 19 ከነብዕሎ ኣይተኻእለን ።

USAID መሻርኽቱን ንቅ፟ድሚት ንምስጓም ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ኣብ ምጥፋእ ፖሊዮ ንተጠቀ፟ምናሎም ትልምታትን መደባትን ኣብ ለበዳ ቫይረስ ኮረናን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ክንጥቀመሉ ይግባእ።

XS
SM
MD
LG