Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ


ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሩዋንዳ ነበር ፕሮታይ ኢምፐርኣሃንያ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ብዝተፈፀመ ምጥፋእ ዓሌት ኢድ ነይሩዎ ተባሂሉ ይድለ ኣሎ ።

ኣብ 1994 ኣኽረርቲ ሩዋንዳውያን ብዘልዓልዎ ደም ዘቃበአ ምጥፋእ ዓሌት ኢምፐርኣሃንያን ነቲ ብሻለቃ ዝምራሕ ዝነበረ ጦሩ መምርሒ ብምውራድ ፣ ወታሃደራት ብምስልጣንን ኣፅዋር ብምክፍፋልን ኣብቲ ህልቂት ዓሌት ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ተፈሊጡ ።ከምኡ 'ውን እቲ ብኢምፐርኣሃንያን ዝምራሕ ዝነበረ ጦር ንቀ፟ዳመይቲ ሚኒስተር ኣሕጋቴ ኦውሊንግይማህናህ ብምቅ፟ታል ን ዓሰርተ ቤልጂየማውያን ኣኽበርቲ ሰላም ድማ ናታ ሓለውቲ ነይሮም ብምባል ክእሰሩ ገይሩ እዩ። ኣብቲ እዋን ምጥፋእ ዓሌት እቲ ብእኡ ዝምራሕ ጦር ዝተፈላለዩ ግፍዕታትን ገበናትን ብምፍፃም መሪሕነት ከምዝነበሮ ተሓቢሩ'ዩ።

ነዚኦምን ከምዚኦምን ዝበሉ ገበናት ዝዳኒ ዓለምለኸ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንሩዋንዳ በቲ ሓዱሽ ሽሙ ዓለምለኸ ነቶም ዝተረፉ ገበናት ኢምፐርኣሃንያን ዝዳኒ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኢምፐርኣሃንያን በቶም ዝተፈፀሙ ምጥፋእ ዓሌትን ጨፍጫፋትን ገበነኛ ብሙዃኑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንኽውዕል ትእዛዝ ኣውፂኡሉ ይርከብ ።

ዩናይትድ ስቴትስ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታት ፣ ውድብ ሑቡራት ሃገራትን ብሓዱሽ ኣሰራርሓ ንዝተረፉ ገበናት ዝዳኒ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ብሙኻን ኢምፐራአሃንያንን ካልኦት ኣብቲ እዋን ምስኡ ኢድ ዝነበሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ንምቅ፟ራብ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ንምዕዋት ድማ ዩናይትድ ስቴትስ እቲ ገበነኛ ዘለዎ ንዝሓበረ ስጋብ 5 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ከም እትህብ ምሕባሩ እቲ ርእሰ ዓንቀፅ ይሕትት ።

XS
SM
MD
LG