Accessibility links

Breaking News

መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ


ምምሕዳር ጆ ባይደን ሰብኣዊ መሰላት ክሕልዉ፣ ተጣበቅቶም ክኽበሩን ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ ድማ ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ ይኣምን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቦም ።

"ኩለንተናዊ መግለፂታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሕብሮ ኩሎም ኩለንተናዊ እዮም ። ነንሕድሕዶም ዘይነፃፀሉ፣ ዝተሓጋገዙን ዝተኣሳሰሩን እዮም ።"

"ኣሜሪካ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ማእከል ደጋዊ ፖሊሲኣ ገይራ ትሰርሕ። ምኽንያቱ ሰላምን ምርግግኣትን ምዕሳል ኣድላዪ ስለዝኾነ ። እዚ ካብ ናይ ባዕልና ፅኑዕን ኣብ ባይታ ዘሎን ልምዲ ተበጊስና ፣ ፍፁምን ኣበር ዘይቡሉን ዘይኮነስ ከከም ኣተሓሳስባና ዝተወሰነ ዕንቅፋት ክገጥሞ ይኽእል እዩ ። ይኹን እምበር ኩልግዘ ንኹሉ ዝሓወሰት ፣ ዝተኸብረትን ነፃን ሃገር ንምፍጣር ኢና ንፅዕር" ኢሎም እዮም ።

እቲ ኻልእ ዝዓበየ ምኽንያት ድማ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ 2022 ስጋብ 2024 እዋን ስራሕ ንዝካየድ መረፃ መንበር ንምርካብ ካብ ዘለዋ ድልየት ዝነቀ፟ለ እትገብሮ ፃዕሪ እዩ ።

"ጠመተና ኣባላት እቲ ባይቶ ዝለዓለ መለክዒ ሰብኣዊ ዘርኢ ንሙዃን ምርግጋፅ እዩ ። እቶም ዝኸፍአ ኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዘለዎም ሃገራት ኣባላት እዚ ቤት ምኽሪ ክኾኑ የብሎምን ። ብሓንሳብ ኮይና ኣብ መለክዒ ኣባልነትን ስራሕቱን እንተሰሪሕና ብዝበለፀ መሰላት ደቂ ሰባት ዝኽበረሉ ስራሕ ክስራሕ ይኽእል እዩ ።"

መብዛሕትአን ኣባል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝተመስረተሉ ባእታታት እናጠሓሳ'ውን ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ግን የኽብራ ።

"ነንሕድሕድና ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዩም ኣለዉና ። ሃገራት ድማ ነቶም መሰረታዊያን ባእታታት መሰላት ክሕልዋ ግድን ይኸውን ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንተኒ ብሊንከን ፣፡

"እዞም ንዓርሶም ንቁጠባዊ ምዕባለኦም ሽፋን ገይሮም ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕሱ ንናይ ባዕሎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓዊሱ ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ እዮም ።"

ኣብ ከም ቬንዙዌላ፣ ኒኳራጉዋ፣ ኲባን ኢራንን ዝበላ ሃገራት ይፍፀም ንዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ድምፅና ምስማዕና ክንቅፅል ኢና ።

"ደጋጊምና መንግስቲ ሩስያ ንኣሌክስ ናቫሊን ብዘይገለ ቅድመ ኹነት ብቅልጡፍ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕን ከምኡ'ውን መሰሎም ብምሕታቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ሩስያውያን'ውን ክፍትሑ ንፅውዕ ። ኩለንተናዊ መሰላትብምጥሓስ ጭካኒያዊ ግፍዕታት ክፍፀሙ ከለዉ ወይ'ውን ኣብ ሆንግ ኮንግ መሰረታዊ መሰላት ናፅነት ደቂሰባት ክጠሓሱከለዉ ዓው ኢልና ንዛረብ ።"

ዩናይትድ ስቴትስ ንሓለዋን ኣፍልጦን ኩለንተናዊ ሰብኣዊ መሰላት ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ትብል ኢሎም ።ንመፃኢ'ውን ምስ መሓዙትናት መሻርኽቲ አካላትን ብሙዃን እቲ ባይቶ ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእን ውፅኢታውን ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዝሰርሑ በቢ ኸባቢኡ ምስ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብምትሕብባር ክንከታተሎ ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG