Accessibility links

Breaking News

መደረ ፕረ.ትራሞፕ ኣብ ዓመታዊ አኼባ ሕቡራት ሃገራት


ፕረዝዳንት ትራምፕ ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ዓብዪ ኩለመዳያዊ ፀገም ጥሒላ ከምዘላ ዝጠመተ መደረኦም ኣስሚዖም ። “ እዚ ጨካንን ዘይረአን ፀላኢ ቫይረስ ቻይና ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ። ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ኣብ 188 ሃገራት ዓለም ጠሊቡ እዩ" ኢሎም።

ኣሜሪካ ኮቪድ 19 ንምቅ፟ናስ ሓያል ምልዕዓል ኣርእያ እያ ሕልፍን ትርፍን ዝኾኑ ቬንትለተራት ካብ ምፍራይ ጀሚሩ ስጋብ ንኻልኦት ሃገራት 'ወን እተርፈሉ ኮይኑ እዩ፤ ከምኡ'ውን 3 ክታበታት ኣብቲ ናይ መወዳዕታ ደረጃ ፈተነ በፂሖም ይርክቡ ኢሎም 'ዮም።

"መድሓኒት ክወሃብ ንገብር ኢና ፣ ነዚ ቫይረስ ክንስዕሮ ኢና ፤ሽዑ ድማ ለበዳ ዝበሃል ኣይክህሉን ፤ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዕባለን ሓዱሽ ህይወትን ብሰላምን ሕብረትናን ክንጅምር ኢና።ብተመሳሳሊ ቻይናውያን መራሕቲ ድማ ብተግባራቶም ተሓተቲ ክኾኑ ይግባእ።"

“ ኣብ መፈልምታ እዋናት እዚ ቫይረስ ቻይና ውሽጣዊ መጎዓዝያታታ ጠጠው ኣቢላ እያ ። እንተኾነ ግን ካብ ሃገራ ንዝወፁ መጓዓዝያታት ንዓለም ክብክሉ ምእንታን ኣያኣገደትን ። ዳሓር ድማ መንግስቲ ቻይናን ዳርጋ ኣብቁፅፅራ ኣትዩ ዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላልፍ ኣይተረጋገፀን ክብሉ ናይ ሓሶት ኣዊጆም ።”

ፕሬዝዳንት ትራምፕ ወሲኾም ቻይና ኣብ ከባቢ ኣየር ተብፅሖ ዘላ ሓደጋ እውን ዓገብ ክትበሃል ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም እዮም።

“በብዓመቱ ቻይና ብሚልዮናት ቶን ዝቁ፟ፀሩ ፕላስቲካትን ርሰሓትን ናብ ባሕሪ ትድርቢ፤ ዓሳ ብምፅማድ ናብ ዝመሓደራ ሃገራት ብምጥፋእ መርዛም ሜርኩሪ ናብ ሃዋህው ብምፍናው ካብ ዝኾነት ሃገር ንላዕሊ ዝበለፀ ግደ ትፃወት ። ቻይና ትፍንዎ ካርበን ክልተ ዕፅፊ ኣሜሪካ ኮይኑ ብናህሪ ድማ ይውስኽ ኣሎ።"

ፕረ.ትራሞፕ እንተዳአ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውፅኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ኾይኑ ኣብቶም ኣብቶም ቀንዲ ፀገማት ዓለም ጠመተ ገብር ይግባእ። ነቶም ቀንዲ ፀገማት ዝበሉዎም ከብርሁ ከለዉ ኣብ ግብረሽበራ ፣ደቂ ኣንስትዮ፣ ምብዝባዝ ጉልበት፣ ዝውውራት ሓሽሽ ፣ ሰብአዊ መሰላትን ወሲባዊ ንግድን፣ ሃይማኖታዊ ስደትን ምጥፋእ ዓሌት ውሑዳት ሰዓብቲ ፍሉይ ሃይማኖትን ክብሉ ዘርዚሮሞም ።

XS
SM
MD
LG