Accessibility links

Breaking News

መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሪፖርት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት


ከምምልክት ውግእ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት፣ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ነቲ ቲፕ ሪፖርት ኢሉ ዝጽወዖ መበል ዕስራ ዓመታዊ ሪፖርት ዝውውር ደቂ ሰባት ወግዓዊ ገይሩ አሎ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔኦ፣ ነቲ ዓመታዊ ሪፖርት ወግዓዊ ኣብ ዝገበርሉ እዋን ክዛረቡ ከለው ‘ንኣስገዳድ ሸቅሊን ጾታዊ ዝውውርን ዝሓወሰ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ኣዳም ኣብ ዙርያ ዓለም ይቅጽል ከምዘሎ’ ጠቂሶም።

'ኣብ ሙሉእ ዓለም 25 ሚልዮን ባጽሓትን ቆልዑን ብሰንኪ ኣስገዳድ ሸቅሊን ጾታዊ ዝውውርን ይሳቀዩ ኣለው። እዚ ክስተት’ዚ፣ ኣብ ልዕሊ ዝወረስናዮም ክብሪታትን ክቡር ዝኾነ ወዲ ኣዳምን ከቢድ ስምብራት ዘውርዱ፣ ብኣምሳል ኣምላኽ ዝተፈጠርናን ስለዝኾና ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣዝዩ ግናይ ተግባርዩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ዓሚ ኣብ ልዕሊ 15 ሃገራት ንዝልገሱ ሓገዛት ኣጊዶም እዮም። ሎም ዘበን ጥሪ ድማ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ኣብ ወፍሪ ጸረ ጾታዊን ዘይሕጋዊን ዝውውር ደቂ ሰባት ከምዘዋፈረት እቶም ፕረዚደንት ገሊጾም ኣለው' ኢሎም።

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔኦ፣ ኣብ ውግእ ክልቲኦም ዘይሕጋዊ ተግባራት ሎም ዘበን ተዓዊትናሉ ዝብልዎ’ውን ኣነጺሮም እዮም። ንሶም22 ሃገራት ዝርከባሉ ኩነታት ክብ ኢሉ አሎ። እተን 13 ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ’የን ዝርከባ' ኢሎም።

እቲ ቲፕ ሪፖርት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰነድ፣ ንታይር 3 ኢሉ ዝገልጾ ‘መወልቲ ዘይሕጋዊን ጾታዊን ዝውውር ደቂ ሰባት እዮም ዝባሃሉ መንግስታት’ውን ብሽም ዝጸርሐ ኮይኑ ኣሎ። ቻይናን ኩይባን ተጠቂሰን ኣለዋ።

‘መንግስቲ ዝምውሎ መደባት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ብጽኑዕ ኢና ንከታተሎ’ ዝበሉ ሚንስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔኦ ‘ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ፣ ሓላፍነት መንግስታት ንመሰላት ዜጋታቶም ምሕላው’ምበር ምድቋስ ኣይኮነ። ዩናይትድስ ስቴትስ ምስ ዝኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝወፈረት ሃገር ኣይክትሳነን’ያ’ ከምዝበሉ ብምጥቃስ ናይ ሎሚ መርገጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘንጸባርቅ ርእሰ ዓንቀጽ ሓተትኡ ደምዲሙ።

XS
SM
MD
LG