Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ ሓደሽቲን ዝነበሩን ቴክኖሎጂን ንስርሓት ግበሽበራ ምጥቃም


ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ምክልኻል ግብረ-ሽበራ ኣብ ቀረባ ኣብ ዴልሂ ህንዲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼብኡ ከምዝገለፆ ዋላ’ካ ማሕበረሰብ ዓለም ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብር እንተሎ “ስግኣታት ግብረ ሽበራዊያን ዝያዳ እናተጋደደን እናዓበየን መፂኡ” ኢሉ።

እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ድማ ሓደስቲ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንኣገልግሎት ግብረ ሽበራ ይውዕሉ ምህላዎም እዩ። ግብረሽበራውያን መድረኻት ኢንተርኔት መርበባቶም ከስፍሑ፣ ኣፅዋራት ንምስጋር፣ ንዋታዊን ገንዘባዊ ደገፋት ንምውህላል ይጥቀሙሉ ምህላዎም እዩ። እዚ ኣብቲ እዋን ኮቪድ ብግልፂ ዝተራእየ ኮይኑ ግብረሽበራውያን ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፀ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያታት ብምጥቃም ህፃውንቲ ከይተረፉ “ፕሮፓጋንዳታቶም ንምግዋሕ፣ ዝተዛብዑ ተረኻትን ብምዝርጋሕ ንግብረሽበራዊ መሳርሕ ዘገልግልዎም ሰዓብቶም ንምምልማልን ገንዘብ ንምውህላልን” ይጥቀሙሉ።

ነዚ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣታት ንምግታእን ከምኡ’ውን ግብረ መልሲ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝበለፀ ንምትሕብባርን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚቴ ምክልኻል ግብረሽበራ ፍሉይ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ኣብ ስለስተ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ ነይሩ። ንሶም ድማ ቴክኖሎጂታት ማዕከናት ሓበሬታን መራኸብን ንግብረሽበራዊ ኣገልግሎት የውዕልዎም ምህላዎም ምቅዋም፣ ምስ ሓደስቲ ቴክኖሎጂካዊ ሜላ ክፍሊትን ኣተኣላልያታቶምን ተተሓሒዙ ዥልው ስግኣታትን ንግብረሽበራዊ ተግባራቶም ዝውዕል ሜላ ገንዘባዊ ምትእኽኻባቶም ምቅዋም። ከምኡ’ውን ንሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮን ዝኣምሰሉ ንግብረሽበራዊ መስርሕን ጥቕዓትን ይጥቀሙሎም ምህላዎም ምቅላዕ ዝብሉ ይርከብዎም።

“ዓለምለኻዊ ግብረሽበራውያንን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ተሳተፍትን (ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ) ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓታት፣ ወተሃደራዊን ዲፕሎማሲያዊን መሳለጢያታትን ተጠቒሞም መስካሕካሕቲ ሓደጋታት የብፅሑ። ብሙኻኑ ነቲ ዘሎ ፃዕርታትና ብምሕያል ብሉፃት ተሞክሮታትና ብምክፋል ክንቅፅል ይግባእ” ክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወካሊ ኣሜሪካ ክሪስ ሉ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኽዕም “ብኢንተርኔት ኣቢሉ ዝተረኽበ ውህሉል ፃዕርታትናን ሓባራዊ ጥቕምታትናን ኣብ ምክፋል ዓብዪ ግደ ዝነበሮ እንተኾነ ግብረሽበራዊ ተፃብኦታት ኣብ ምድንፋዕ ሓዎሱ ጥቕሚ ኢንተርኔት ንግብረሽበራዊ ኣገልግሎት ምውዓሉ ዓለም ለኸ ኣንፃር ግብረሽበራዊ ተግባራት፣ መርበባዊ ደሕንነትን ኤሌክትሮኒክሳዊ ምሕደራን ዓብዪ ፈተና ኮይኑ ቀፂሉ ይርከብ።

“ኣሜሪካ ንሕገመንግስትና ዘይዳፋእ ሓሳብካ ብናፃ ናይ ምግላፅ መሰል፣ ናይ ነዊሕ እዋን መርገፂና ዝኾነ ።

ውሑስ፣ ከልካላይ ዘይብሉ፣ እምነት ዝወሃቦ፣ ሓቅነት ዘለዎን ነንርእሱ ዝደጋገፍን መስርሕ ኢንተርኔት ክህሉ እትገብሮ ድጋፍ ቀፂላትሉ ትርከብ” ኢሎም ኣምባሳደር ሉ።

“ኣባል ሃገራት ምኽባር ሕግን ስርዓት ፍትሕን ንኽድልድል፣ ስግኣት ዝፈጥሩ ሓበሬታታ ዘመሓላልፉ ምምሕያሽ፣ ደሕንነት ዶባት ንኽመሓየሽ፣ ግብረሽበራውያን ገንዘባዊ ደገፋት ዝረኽብሉ መገዲ ኣብ ምዕፃውን ዝግበር ፃዕሪ ምድልዳልን ኣንፃር ግብረሽበራውያን ዝግበሩ ፃዕርታት ምጉልባት። ኣሜሪካ ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ብምኻን ንሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ብዘጥንክር መልክዑ ምስ ውድብሕቡራት ሃገራትን ማሕበተሰብን ብሙኻን ንምስራሕ ድልውቲ እያ።”

XS
SM
MD
LG