Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ: ብድሆታት'ዚ እዋን ኣብ ምምካት


ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ዋዕላ ደሞክራሲ ኣብ ዝተዛረቡሉ ኣጋጣሚ፡ “ኣብ መንጎ ደሞክራሲን ጨቆንቲ ስርዓታትን ዝካየድ ቃልሲ ንናይ ግዜና ብድሆ ዝገልጽ’ዩ” ኢሎም ነይሮም።

ገስጋስ ጨቆንቲ መንግስታት ይዓቢ ምህላዉ ዘከራኽር ኣይኰነን። ኣመሓዳሪት ዓለምለኸ ተራድኦ ኣመሪካ (USAID) ዝዀና ሳማንታ ፖወር’ውን “ምልካዊ ስርዓት ካብ ደሞክራሲ ዝበለጸ ውጽኢት ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ምጕት ተደጋጊሙ ይቃላሕ ኣሎ፡” ክብላ ይጠቕሳ።

ከም ኣገላልጻ ሳማንታ ፖወር፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን፡ ከም ቭላድሚር ፑቲን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ክገበሩዎ ዝኽእሉ ዕንወት ሓደ መርኣያ ኣብነት’ዩ። ፑቲን፡ ህዝቢ ዩክሬን ኣንጻር ምልኪን ብልሹዋት ሰብ-ዋኒን ብዘርኣዮ ኣብያ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲን ክህሉዎ ብዛዕባ ዝደሊ ዝምድና ምውሓጥ ስለ ዝኣበዮ’ዩ ኣንጻር እታ ሃገር ኲናት ኣዊጁ ይብላ።

ህዝቢ ዩክሬን ኣንጻር ወረርቲ ዘርኣዮ ኣብያን መሬቱ ሓራ ንምግባር ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲን ድማ ሓደ ኣብነት መርኣያ ደሞክራሲን ድሌት ናጻ ሕርያን’ዩ።

ኣብ ዩክሬን ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት’ውን ህዝቢ ዝያዳ ናጻ ምርጫ፡ ተሓታትነት፡ ግሉጽነትን ጭቡጥ ውጽኢት ዝርከቦ ስራሕን’ዩ ዝሓትት ዘሎ።

ውሁድ ኣብያ ሓደ መርኣያ ድኻም ጨቆንቲ ስርዓታት ምዃኑ ሳማንታ ፖወር ይጥቕሳ።

ከም ኣገላልጻ እተን በዓልቲ ስልጣን፡ “ሕብረት ደሞክራሲ ኣብ ውልቃዊ ዓውድታት፡ ናጻ ማሕበራት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ናይ ወጻኢ ማሕበረኮማትን ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘርኣናዮ ድጋፍን ሕብረትን ከነርኢ ወሳኒ’ዩ። ንሱ ምስ እንገብር ድማ ኣብ መሰረታዊ ክብረት ሰብ ዘተኵር ናጻ ሕርያ ክህልወና’ዩ፡” ይብላ ፖወር።

ንደሞክራዊ፡ ብዙሕነትን ናጻ ፕረስን ልዕልና ሕጊን ኣብ እንቃለሰሉ፡ ከምቲ ፕረዚደንት ባይደን ዝጠቕሱዎ “ደሞክራሲ ከም ዘድምዕ” እውን ብግብሪ ከነርኢ የድሊ።

ሳማንታ ፖወር“ንዅላቶም መሻርኽቲ ኣካላትና ኣብቲ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ክሕብሩና ክንጽውዕ እንከሎና፡ ኣንጻር በበይኑ መልክዓት ጭቆና ደው ክብሉን ነቶም ብዘይ ግቡእ ኣገባብ ሃብቲ ዘኻዕበቱ’ሞ ክኽውሉ ዝፍትኑን ከነቃዕል ግቡእና’ዩ፡” ድማ ይብላ ።

XS
SM
MD
LG