Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ- ሩስያ ንዘይምርግ ጋእ ዩክሬን ትወስዶም ስጉምቲታት


ኣሜሪካ ምስ መሓዙታን መሻርኽታን ብሙኳን ሩስያ ነቲ ዲፕሎማስያዊ መገዲ ነፂጋ ደጊማ ወተሓደራዊ ሓይላ ኣኸቲላ ናብ ዩክሬን ክትንቀሳቀ፟ስ እንተፈቲና ዓብይ ሓደጋ ክስዕባ ሙዃኑ የጠንቅቃ፟ ኣለዋ ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዝበልዎ ሩስያ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሓደጋ ንምውራድ ተሊማ ከምዘላ ውይ'ውን ክትፍፅም ሙዃና ይገልፁ ።

እቲ ሓደ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ንዩክሬን ዘበሳጭው ነገር ብምቅስቃስ ደሓር ነቲ ቀዲማ ዝተለመቶ ተፃባኣይ ስጉምታ ንምውሳድ ከም ምኽንያት ትጥቀመሉ ። ካልእ ድማ ቀፃልነት ዘለዎም ምንቅስቃ፟ሳት ኣለዉ። FSB ብዝብል ዝፍለጥ ብኣገልግሎት ደሕንነት ሩስያ ዝምራሕ ዩክሬን ንምጥፋእን ዓሊሙ ዝተፈጥረ 'ዩ ። ነዞም ምንቅስቃሳት ንምቅላዕን ንምዕናውን ኣሜሪካ ምስዞም ምንቅስቃ፟ሳት ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም 4 ውልቀሰባት ክልከላ ኣንቢራ ትርከብ ።

እቶም ክልተ ኣባላት ቤትምኽሪ ዩክሬን ዝኾኑ ታራስ ኮዛክን ኦሌ ቮሎሺን ዝተባህሉ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ሰባስልጣናት ዩክሬን ፀቅ፟ጢ ንምፍጣር ዝሰርሑ ዘለዉ እዮም ። ካልኦት ክልተ ውልቀሰባት ድማ ቮልዲመር ኦሊኒክን ቫልዲሚር ሲቭኮቪችን ዝበሃሉ ንሩስያ ሳይበራዊ ሓገዛት ዝገብሩን ኣንፃር ዩክሬን ንዝካየዱ ምንቅስቃ፟ሳት ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ዝመርሑን ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩ እዮም ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዝገለፅዎ እዞም ክልከላታት ካብቲ ሩስያ ደጊማ ናብ ዩክሬን እትገብሮ ምትእትታዋት እቲቅ፟ፅል እንተኾይና ክወርዳ ንዝኽእል ከቢድ ቁጠባዊ ስጉምትታት ዝተፈልየ ሙኳኑ እዩ ።

“ ንኸምዚኦም ዝበሉ ቅፅዓታት ሓዊሱ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከተብፀሖ ነቲሓስብ ዕንወትን ፃዕርታትን ፈሊኻ ንምፍላጥን ንምግላፅን ኣሜሪካ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ምውሳዳ ክትቅፅል እያ።” ኢሎም እዮም።

XS
SM
MD
LG