Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ- ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ኢትዮጵያ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብሓባር ን'ልዕሊ 5-ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግቢሮም: በዚ'ውን ጎንጺ ነክዩ ህይወት አድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብተን ቀንዲ ክልላት ኢትዮጵያ ክበጽሕ ፈቂዶም ። እዚ ምቁራጽ ተጻብኦ ነቲ ሕሱም ኹናት ከብቅዕ ክገብር'ዩ ዝብል ተስፋ'ውን ፈጢሩ ።
23-ነሓሰ ኹናት እንደገና ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ምስተወለዐ ግን እዚ ተስፋ ጸልሚቱ። ንምውላዕ እዚ ኹናት ክልቲኦም ወገናት ሓደ ነቲ ሓደ ይኸስስ።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዳርጋ 2- ዓመት ይገብር ዝጀመረን ካብ 50-ሽሕ ክሳብ 100-ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ዝሞቱሉን ኹናት [University of Ghent] ኣብታ ሃገር ን'3- ዓመታት ብጽንኩር ደርቂ ዝተሃስየትን እኹል ኣታዊ ምህርቲ ዘይረኸበትን ሃገር'ዩ።
ብመሰረት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ካብቲ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ፍርቂ ሓያል ረድኤት ምግቢ ዘድልዮ'ዩ።
ኣሜሪካ ን'ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሕ ሓጋዝ እትህብ ሃገር'ያ። ነዚ ዘንጸባርቅ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻ ኢ ኣንተኒ ብሊንከን " ውፍይነትና ንኹለን ክልላትን ሓገዝ ንዘድልዮ ህዝቢ ኢትዮጵያን'ዩ "ኢሎም። ንሶም ከምዝጠቀስዎ ዓሚ ኣሜሪካ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ንልምዓት ሰብኣዊ ሓገዝን ብደርቂ ንዝተጠቅዑን ንውሕስነት ምግቢ ንህንጸት ሰላም ጥዕና ትምህርቲ ምስግጋር ቴክኖሎጂን ስልጠናን ዳርጋ 1.2 ቢልዮን ሂባ'ያ።
ሚኒስተር ወጻኢ ብሊንከን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ በቲ ዝተሓደሰ ኹናት ጉህዮም። "ኣብ ዓውደ ኹናት ዝተራእየ ናይ ቀረባ ምቁስቃስን ጣቜ መደረን ኣልቦ ዘላቂ ምቁራጽ ተጻብኦን ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ናብ ሓባራዊ ደሕንነትን ብልጽግናን ዝመርሕ ኹሉ ሓቆፍ ከይዲ ፖሎቲካ ምድንጋዩን ጠቂሶም ናብ ኹናት ምምላስ ኸኣ ምግፋሕ ስቃይ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ቀጻሊ ኢኮኖሚያዊ ጸገምን'ዩ" ኢሎም።
ሚኒስተር ወጻኢ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ተደራዳሪ ጉጅለ ምቛሙን ንልዝብ ፍቃደኛ ምኻኑ ምግላጹ ብኣወንታ ጠቂሶም : ኩሎም ወገናት ንናይ
ሰብኣውያን ተዋሳእቲ ቀረባት ምግብን ነዳድን ከኽብሩ ሰብኣዊ ሓገዛት ንወታሃደራዊ መሳርሒ ካብ ምጥቃም ክቁጠቡን ናብቲ ዘድልዮ ኸኣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምላስ ክሰርሑን ንጽውዕ ኢሎም።
ሚኒስተር ወጻኢ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘይ ገለ- ቅድመ ኹናት ዘላቂ ምቁራጽ ተጻብኦን መወዳ እትኡ ኸኣ ነቲ ኹናት ንሓዋሩ ንኸብቅዕ ንምግባር ልዝባቶም ንምስጓም ጻዕርታቶም ከሐይሉን ጸዊዖም ክብል ናይሎሚ ርእሰ ኣንቀጽ ይድምድም።
XS
SM
MD
LG