Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ - ኣእካል ኣፍሪቃ ምስ ለውጢ ክሊማ


ከም ፀብፃብ ሕቡራት ሃገርት በዝሒ ህዝቢ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ኣብ 2050 ብዕፅፊ ክውስኽ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት። እዚ ድማ ኣብ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ህፁፅ ብድሆታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ጉምበት ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፍሉይ ልኡኽ ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ውሕስና ምግቢ ኣብቲ ንኩነታት ከባቢ ኣየር ዝጠመት ዋዕላ AIM ብልምዲ VACS ተባሂሉ ዝፍለጥ ራእይ ውህደት ሓመድን ዘራእትን ዝጠመተ ዘተ ኣዳልዩ ነይሩ። እዚ ብምትሕብባር መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ትካል ምግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ዝተጀመረ ተበግሶ ካብ ኣፍሪካ ብምጅማር ምስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ብድሆታት ለውጢ ኣየር ዝተዓፃፀፍ ስርዓት ሕርሻ ንምትግባር ይፅዕር ኣሎ።

VACS ንዝኽሰት ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፃወሩ ዘራእትን ጥዕና ሓመደን ብምምሕያሽ ምህርቲ ሕርሻ ንኽዓቢ ዝሰርሕ እዩ።

ኣብቲ እዋን ዝተረኽቡ ፍሉይ ሉኡኽ ኣሜሪካ ንዓለም ለኸ ውሕስና ምግቢ ካሪ ፋውለር ከምዝበልዎሎሚ ምህርቲ ሕርሻ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናይ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ድሙር ሓደጋ ኣጋጢሙዎ ይርከብ። ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ነቶም ዘለዉ ብድሆታት ኣብ እንፈትሐሉ ኣገባብ ዝሙርከስ እዩ ዝኸውንኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ፓነል ገሊኦም ካብቶም ንፍርያት ሕርሻ ዝፀሉ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ዝመፁ ፍሉጣት ሰብ ሞያ ኮይኖም ፕሮፌሰር ሊንዲዌ ማጀለ ሲባንዳ ኣቦ መንበር ኣማኻሪ ጉጅለ ኣህጉራዊ ምርምር ሕርሻ ወይ CGIAR ኮሚሽነር ጆሴፋ ሳኮ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽን ሕርሻ፣ ልምዓት ገጠር፣ ሰማያዊ ቁጠባን ዘላቒ ስነኸባብን፣ ዶ/ር ሲንቲያ ሮዘንዝዌይግ ካብ ፕሮጀክት ሕርሻዊ ሞዴል ምትሕውዋስን ምምሕያሽን ወይ AgMIPን ቤት ትምህርቲ ከባቢያዊ ኣየር ኮሎምብያን፤ ሊዛ ሳፋርያን ፕረዚደንትን ዋና ኦፕሬቲንግ ኦፊሰርን ኣብ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ፒቮት ባዮ፤ ከምኡ’ውን ዶር ሮበርት ራይተር ሓላፊ ምርምርን ምዕባለን ሳይንሳዊ ዝራእቲ ካብ ባየር እዮም።

ውሕስነት መግቢ መሰረታዊ መዳያት ልሙዕ ሓመድን ዘራእትን ንለውጢ ኸባቢ ኣየር ዝፃወረሉ ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝተሞርከሰ ይኸውን። እንተኾነ ግን ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ንረኽቦ ዘለና ሓመድ ኮነ ዘራእትና ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝፃወር ኣይኮነን። ትካላትና’ውን በቲ ዝድለ ዝተዳለዋ ኣይኮናን።” ይብሉይ ዶክተር ፋውለር።

ንሶም ወሲኾም “ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ትካል ምግብን ሕርሻን ፅኑዕ ምሕዝነት ኣለና ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ብዙሓት’ውን ነዚ ጉዳይ ብፍሉይ ንምፍታሕ ንሰርሕ ኢና” ኢሎም ፋውለር።

"ፒቮት ባዮ ካብ ከባቢ ኣየር ገለልተኛ ናይትሮጅን ብቐጥታ ናብቲ ዘድልየሉ ቦታ ናብ ሱር እቲ ዘራእቲ ንምቕራብ ፅቡቕ ኣገባብ ይኽተል ኣሎ።" ባየር ኣብቲ ኣዝዩ ዝጠቅምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሳይንሳውን ሰናይ ንጥፈታትን ዝወፈረ ኣዝዩ ዕቱብ ትንታነ ዘለዎ እዩ። ናይ ናሳን ቤት ትምህርቲ ከባቢ ኣየር ኮሎምብያን ልምዲ ዘለዋ ሲንቲያ [ሮዘንዝዌይግ] ምሳና ኣብዚ ሓድሽ ሞዴሊንግ ከባቢ ኣየር ትሰርሕ ኣላ። ምስ ዘሎ ኩነታት ኣየርን ንመፃኢ ምስ ዝህሉ ለውጥን ንኣፍሪካ ዝሰማማዕን ዝያዳ ምህርቲ ዝህቡን ዘራእቲ ብዝበለጸ ክንርዳእ ትሕግዘና።"

“ኣብቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ብርኪ ውሕስና መግቢ ንምርግጋፅ ዝህልዉ ብድሆታት ኣብ ዝህልወና ልሙዕ ሓመድን ተፃወርቲ ዘራእትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዝተሞርከሰ ይኸውን።”

XS
SM
MD
LG